መፍረያይነት ቡን ኢትዮጵያ ተወዳዳሪነት ንግዲ ወፃኢ ብምዕባይ ሸርፊ ወፃኢ ንምርካብ ልዑል ዓቕሚ እናፈጠረ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
መፍረያይነት ቡን ኢትዮጵያ ተወዳዳሪነት ንግዲ ወፃኢ ብምዕባይ ሸርፊ ወፃኢ ንምርካብ ልዑል ዓቕሚ እናፈጠረ እዩ
ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 23/2018(ኢዜኣ) መፍረያይነት ቡን ኢትዮጵያ ዓለም ለኸ ተወዳዳሪነት ንግዲ ወፃኢ ብምዕባይ ሸርፊ ወፃኢ ንምርካብ ልዑል ዓቕሚ እናፈጠረ ከምዝኾነ በዓል መዚ ቡንን ሻሂን ኢትዮጵያ ገሊፁ።
ምክትል ዋና ዳይሬክተር እቲ በዓል መዚ ሻፊ ዑመር ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ለውጢ መፍረያይነት ቡን ንምዕባይ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ተሳሊጦም እዮም።
መንግሥቲ ቡን በዝሒ፣ብፅሬትን ዓለም ለኸ ድሌትን ብዘገናዘበ መልክዑ ብምፍራይ ንዕቤት ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ዘለዎ ኣስተዋፅኦ ንክዓቢ ልዑል እጃም እናበርከተ እዩ ዝርከብ ኢሎም።
ዝኣረጉ ተኽልታት ቡን ብሓዱሽ ናይ ምትካእ ከምኡ እውን ቴክኖሎጂ ናይ ምጥቃም ባህሊ እናዓበየ ምምፅኡ ኣብ መፍረያይነት ቡንን ሸርፊ ወፃእን ልዑል ለውጢ ንክምዝገብ ከምዘኽኣለ እውን ተዛሪቦም።
መፍረያነት ቡን ንምምሕያሽ ዝተገበሩ ስራሕቲ ሪፎርም ካብ ንግዲ ወፃኢ ዝርከብ ኣታዊ ሸርፊ ወፃኢ ብዝለዓለ ብርኪ ንክዓቢ ከምዘኽሉ ሓቢሮም።
እቲ ናይ ለውጢ መንግሥቲ ኣብ 2013 ዓ/ም ስራሕ ሪፎርም እንትጅመር ካብ ንግዲ ወፃኢ ቡን 907 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ከምዝተረኸበ ብምዝኽኻር፤ ኣብ 2014 ዓ/ም ድማ እቲ ኣታዊ ናብ 1 ነጥቢ 4 ቢልዮን ዶላር ከምዝዓበየ ኣረዲኦም።
ዕዉት ጉዕዞ እቲ ሪፎርም ነቲ ዓውዲ ብዝፈጠሮ ዕድል ብምጥቃም ኣብ 5 ኣዋርሕ በጀት ዓመት 2018 ዓ/ም ካብ ንግዲ ወፃኢ ቡን 1 ነጥቢ 6 ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ከምዝተረኸበ ኣፍሊጦም።