ዓቕሚ መፍረያይነት ኣፍረይቲ ኢንተርፕራይዛት ዘመሓይሽ ምችው ምህዳር ቀረብ ገንዘብን መስርሒ ቦታን ተፈጢሩ እዩ

ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 23/2018(ኢዜኣ) ዓቕሚ መፍረያይነት ኣፍረይቲ ኢንተርፕራይዛት ዘመሓይሽ ምችው ምህዳር ቀረብ ገንዘብን መስርሒ ቦታን ምፍጣር ከምዝተኽኣለ ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ገሊፁ።
ሚኒስትር ዲኤታ ስራሕን ክእለትን ሰለሞን ሶካ ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ ኣፍረይቲ ኢንተርፕራይዛት ኣብ ዝተዋፈርሉ ዓውዲ ስራሕ ውፅኢታዊ ንክኾኑ ምችው ምህዳር ንምፍጣር እናተሰርሐ እዩ።
ስለዝኾነ ድማ ትግበራ ፖሊሲ ደቀቕቲ፣ኣናእሽተይን ማእኸለዎትን ኢንተርፕራይዝ ኣፍረይቲ ኢንተርፕራይዛት ንስራሕቶም ብቐሊሉ ሓጋዚ ዝኾነ ቀረብ ልቓሕ ንክረኽቡ እናኽኣለ እዩ ኢሎም።
ተበፃሕነት ስርዓት ዲጂታል ክፍሊት እውን ኣብ ደቀቕቲ፣ኣናእሽቲ፣ማእኸላዎትን ላዕለዎትን ኢንተርፕራይዛት ንዝተወደቡ ኣፍረይቲ ኣገልግሎት ልቓሕ ንምስላጥ ወሳኒ እጃም እናበርከተ ከምዝርከብ ሓቢሮም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም