ስትራቴጂ ዲጂታል ልምዓት ኢትዮጵያ ዓቕሚ ምፍጣርን ምትግባርን ዝተርኣየሉ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ስትራቴጂ ዲጂታል ልምዓት ኢትዮጵያ ዓቕሚ ምፍጣርን ምትግባርን ዝተርኣየሉ እዩ
መቐለ/ታሕሳስ 23/2018(ኢዜኣ) ስትራቴጂ ዲጂታል ልምዓት ኢትዮጵያ ኣብቲ ዓውዲ ዓቕሚ ምፍጣርን ምትግባርን ዝተርኣየሉ ከምዝኾነ ሰብ ሞያ እቲ ዓውዲ ተዛሪቦም።
ትግበራ ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030፣11 ታሕሳስ 2018 ዓ/ም ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ብዕሊ ምጅማሮም ዝዝከር እዩ።
ኣብዚ ጉዳይ ብዝምልከት ኣብ ከተማ መቐለ ኢዜኣ ዘዘራረቦም ሰብ ሞያ ኤጀንሲ ኣይሲቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ፤ ዲጂታል ኣገልግሎት ካብ ቅልጡፍን ዘበናውን ኣገልግሎት ብተወሳኺ ንምኽንያታት ብልሽው ኣሰራርሓ መፍትሒ ዝህብ እዩ ኢሎም።
ካብቶም ሰብ ሞያ በዓል ሞያ ኣይሲቲ ዝኾኑ እያሱ ተካ ከምዝበልዎ፤ ዲጂታል ልምዓትን ተግባራዊ ምንቅስቓስን እዚ ዘበን ዝደልዮ መወዳደሪ ሃገራት እዩ።
ኣብዚ መዳይ ትግበራ ዝሓለፉ ዓመታትን ቀፃሊ ዝተትሓዘ ትልምን ኢትዮጵያ ኣብቲ ዓውዲ ዓቕሚ ምፍጣርን ምትግባርን ዝተርኣየሉ እዩ።
ዲጂታል ኣሰራርሓ ቅልጡፍ ኣገልግሎት ካብ ምሃብ ብተወሳኺ ምኽንያታት ብልሹው ኣሰራርሓ ንምዕፃው ከምዝሕግዝ ሓቢሮም።
ላዕለዋይ በዓል ሞያ ፅገና ሃርድዌርን ሶፍት ዌርን ዮውሃንስ ለኣከ ብግድኡ፤ እዚ ዘለናሉ ዘበን ዘበነ ምፍጣርን ምቕልጣፍን ስለዝኾነ ኣብ ዲጂታል ዓለም ተወዳዳሪ ንምዃን በዚ ልክዕ ክንጎዓዝ ይግባእ ኢሉ።
ኢትዮጵያ ኣብ ልምዓት እቲ ዓውዲ ትገብሮ ዘላ ፃዕሪ ዝነኣድ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ንዕዉትነት ቀፃሊ ትልምታት ፃዕርን ደገፍን ኩላትና ከምዘድሊ ተዛሪቡ።
ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብቲ ዓውዲ ዝተሳለጠ ስራሕ ልዑል ዝበሃል ውፅኢት ከምዝተረኸበሉ ዝገለፀ በዓል ሞያ ፅገና ሶፍትዌርን ሃርድዌርን መንእሰይ ኣረጋይ ገብረ መስቀል፤ ብዲጂታል ልምዓት ኣወሃህባ ኣገልግሎት ብርክት ዝበሉ ትካላት ካብ ወረቐት ነፃ ንክኸውን ከምዝተገበረ ገሊፁ።
ስለዝኾነ ድማ ኣብ ትልሚ ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ብዕዉት ኩነታት ተግባራዊ ንክኸውን ፃዕሪ መንግሥቲ ከምዘለዎ ኮይኑ ፃዕሪ ሰብ ሞያን መዳርግቲ ኣካላትን ክውሰኸሉ ከምዝግባእ ኣረዲኡ።