እቲ ሃገራዊ ምኽክር ዝፀንሑ ፀገማት ብምኽክር ብምፍታሕ ዘላቒ ሰላምን ሓድነትን ብዝበለፀ ንምጥንኻር ቀንዲ መፍትሒ እዩ

ኣሶሳ/ታሕሳስ 23/2018(ኢዜኣ) እቲ ሃገራዊ ምኽክር ዝፀንሑ ፀገማት ብምኽክር ብምፍታሕ ዘላቒ ሰላምን ሓድነትን ብዝበለፀ ንምጥንኻር ቀንዲ መፍትሒ ከምዝኾነ ዓበይቲ ዓዲ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ተዛሪቦም።
ኣብ ጉዳይ ሃገራዊ ምኽክር ርኢቶኦም ንኢዜኣ ዝሃቡ ዓብዪ ዓዲ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ኣብዱልማህሙድ ኢብራሂም ከምዝበልዎ፤ እቲ ሃገራዊ ምኽክር ዝፀንሑ ፀገማት ብምኽክር ብምፍታሕ ዘላቒ ሰላምን ሓድነትን ብዝበለፀ ንምጥንኻር ቀንዲ መፍትሒ እዩ።
ኣብ ኢትዮጵያ ዘላቒ ሰላምን ጠንካራ ሓድነትን ንምንባር ፀገማት ብምኽክር ምፍታሕ ግድን ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ኩሉ ኣብቲ መድረኽ ብምስታፍ እቲ ዕድል ክጥቀመሉ ይግባእ ኢሎም።
እቲ ኮሚሽን ኣብ ዝተፈላለዩ እዋን ኣብ ዘዳልዎም መድረኻትን ምፍላይ ኣጀንዳን ከምዝተሳተፉ ብምሕባር፤ እቲ ምኽክር ዘይምርድዳኣት ብምፍታሕ ዘላቒ ሰላምን ምርግጋዕን ንምምፃእ ወሳኒ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።



ካሊእ ዓብዪ ዓዲ እቲ ክልል ገለታ ጋጋ፤ መድረኽ ሃገራዊ ምኽክር ንኹሉ ኣሸናፊ ዝገብር መፍትሒ ዘላቒ ሰላም ኢትዮጵያ ከምዝኾነ ሓቢሮም።
ንዝለዓሉ ዘይምርድዳኣት መፍትሕታት ብምሃብ ኣብ ጉዳይ ሃገር ሓባራዊ ቅዋም ብምሓዝ ንሰላምን ሓድነትን ብሓባር ክንሰርሕ ኣለና ኢሎም።


 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም