ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ብብርኪ ሃገር ዝተጀመረ ዲጂታል ኣድራሻ ኣብ ኩሎም ከተማታት ንምስፋሕ ዘኽእል እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ብብርኪ ሃገር ዝተጀመረ ዲጂታል ኣድራሻ ኣብ ኩሎም ከተማታት ንምስፋሕ ዘኽእል እዩ
ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 23/2018(ኢዜኣ) ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ብብርኪ ሃገር ዝተጀመረ ብሄራዊ ስርዓት ዲጂታል ኣድራሻ ኣብ ኩሎም ከተማታት ንምስፋሕ ከምዘኽእል ኢንስቲትዩት ስፔስ ሳይንስን ጂኦ ስፓሻልን ኢትዮጵያ ገሊፁ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030፣11 ታሕሳስ 2018 ዓ/ም ኣብ ዓለም ለኸ ማእኸል ኮንቬንሽን ኣዲስ ዕላዊ ምግባሮም ዝዝከር እዩ።
ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ስፔስ ሳይንስን ጂኦ ስፓሻልን ኢትዮጵያ ኣብዲሳ ይልማ ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ ህንፀት መሰረተ ልምዓት ከተማታት ንምቅልጣፍ ስርዓት ዲጂታል ኣድራሻ መሰረት እዩ።
ዲጂታል ኣድራሻ ትሕዝቶ መሰረተ ልምዓት ከተማ ብዲጂታል መለለዪ ብኣግባቡ ብምቕማጥ ብዘበናዊ ስርዓት ዝመሓደሩ ከተማታት ንምህናፅ ርኡይ ኣስተዋጽኦ ከምዘበርክት ገሊፆም።
ስርዓት ዲጂታል ኣድራሻ ኣብ ብርክት ዝበላ ከተማታት ብዝተፈላለዩ ብርክታት ተግባራዊ እናተገበረ ከምዝርከብ እውን ሓቢሮም።
ንትልምታት ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ብሄራዊ ዲጂታል ኣድራሻ ምስፋሕ ኣብ ግልፅነት መሰረት ዝገበረ ስርዓት ኣገልግሎትን ምምሕዳርን ንምፍጣር ርኡይ እጃም ኣለዎ ኢሎም።
እቲ ስትራቴጂ ብብርኪ ሃገር ኣብ ከተማታት ዝተጀመረ ብሄራዊ ስርዓት ዲጂታል ኣድራሻ ኣብ ኩሎም ከተማታት ንምስፋሕ ልዑል ሓገዝ ከምዝገብር እውን ተዛሪቦም።