ህዝቢ ትግራይ ብዝመረፆ መንግሥቲ ንክመሓደር መረፃ ኣብ እዋኑ ክግበር ኣለዎ-ጀነራል ሳሞ ዮኑስ

ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 23/2018 (ኢዜኣ) ህዝቢ ትግራይ ብዝመረፆ መንግሥቲ ንክመሓደር መረፃ ኣብ እዋኑ ክግበር ኣለዎ ክብሉ ነበር ኢታማዦር ሹም ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ ጀነራል ሳሞ ዮኑስ ገሊፆም።
ጀነራል ሳሞራ የኑስ ምስ ጋዜጣ ወጋሕታ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ከምዝበልዎ፤ ህዝቢ ትግራይ ብዝመረፆ ኣመሓዳሪ ንክመሓደር መረፃ ኣብ እዋኑ ክግበርን መራሒኡ ክመርፅን ኣለዎ።
መረፃ ሕገ መንግስታዊ መሰል ህዝቢ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ”እዙይ እንተዘይተገይሩለይ መረፃ የለን” ምባል ግና ፀረ ሕገ መንግሥትን ዘይፍትሓውን እዩ ኢሎም።
ኣብ ትግራይ ዘሎ ግዝያዊ ምምሕዳር እውን ህዝቢ ትግራይ ብዝመረፆ ንክመሓደር ከምዝሰርሕ ዘለዎም ተስፋ ሓቢሮም።
ኣብ ትግራይ ዘለዉ ፖለቲከኛታት መረፃ ከም ሓደ መደራደሪ ገይርካ ናይ ምውሳድ ዝንባለታት ከምዘሎ ብምሕባር፤ እዚ ድማ ትኽክል ከምዘይኮነ ተዛሪቦም።
ህዝቢ ትግራይ ክሳብ ሕዚ ኣብ ፌደራል ውክልና ከምዘይብሉ ብምዝኽኻር፤ ስለዝኾነ ድማ መራሕቱ ክመርፅን ኣብ ፌደራል ተወካሊ ኣካል ክገብርን ከምዘለዎ ኣረዲኦም።
ህዝቢ ካብ ሰላም ተጠቃማይ ምዃኑ ዝጠቐሱ እቶም ጀነራል፤ ውሽጣዊ ሰላም ዝያዳ ንክጠናኸር ልዕልነት ሕግን ተሓታትነትን ክልመዱ ይግባእ ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም