ጉዕዞ ብልፅግናና ካብ ኹሉ፣ብኹሉ፣ንኹሉ ንክኸውን ክንሰርሕ ኢና-ኣይተ ኣደም ፋራህ

ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ  23/2018 (ኢዜኣ) ጉዕዞ ኣንፈት ኢኮኖሚ ብልፅግና ካብ ኹሉ፣ብኹሉ፣ንኹሉ ንክኸውን ናይ ምግባር ስራሕ ክንሰርሕ ኢና ክብሉ ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል ምትሕብባር ህንፀት ስርዓት ዲሞክራስን ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣደም ፋራህ ገሊፆም።
ኣይተ ኣደም ፋራህ ከምዝበልዎ፤ ብፍልስፍና መደመር ዝምራሕ መንግሥቲ መደመር ኣብ ኣርባዕተ ኢኮኖሚያዊ ኣስተዋፅኦታት ትኹረት ገይሩ ክሰርሕ እዩ።
ስለዝኾነ ድማ ፈላማይ ብዝሃ ዓውዲ ኣንፈት ኢኮኖሚ ተግባራዊ ምግባር ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ መዋቕራዊ ስግግር ንምምፃእ፣ ንተለዋዋጢ ኩነታት ዘይቃላዕ ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ብምህናፅ ብልፅግና ኢትዮጵያ ዘቀላጥፍ እዩ ኢሎም።
እቲ ካልኣይ ድማ ብዝሃ ተዋሳኢ ኣንፈት ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ኣብ ኢኮኖሚ እጃም ዘለዎም ኣካላት ውልቃውን ሓባራውን ሓላፍነቶም ንክዋፅኡ ከምዝግበር ተዛሪቦም።
ኣብዚ መዳይ መንግሥቲ ግንባር ቀደም እጃሙ ከምዝዋፃእ ዝገለፁ ኣይተ ኣደም፤ ዓውዲ ውልቀ ኣብ ዘይሳተፈሎም ዓውድታት መንግሥቲ ንቑሕ ኢንቨስተር ከምዝኸውን ኣረዲኦም።
ብዝሃ ዓውዲ ኢኮኖሚ ኣብ ኩሎም ዓውድታት ዘለዉ ዓቕምታት ንምፍላይ፣ኣብ ረብሓ ንምውዓል ዝከኣለሉ ስልቲ ምቕያስን እቶም ዓቕምታት ንምጥቃምን ዘኽእሉ ኣንፈት ኢኮኖሚ ምኽታል እዩ ኢሎም።
ስለዝኾነ ድማ ኣብ ኢንዱስትሪ፣ቱሪዝም፣ ኣይሲቲ፣ መዓድንን ግብርናን ትኹረት ተዋሂቡ ብምስርሑ ውፅኢት ከምዝመፀ ኣብራህሪሆም።
እቲ ሳልሳይ ብዝሃ ተረባሕነት ናይ ምርግጋፅ ኣንፈት ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ እቲ ኢኮኖሚ ኩሉ ብፍትሓዊነት ዝጥቀመሉን ዝሳተፈሉን ንክኸውን ምግባር ከምዝኾነ ሓቢሮም።
በዚ ድማ ንኹሉ ማዕረ ዕድል ብምፍጣር እቲ ተሳትፎን ምንቅስቓስ ኢኮኖምን ብምቅልጣፍ ካብ ውፅኢቱ ኹሉ ብፍትሓዊነት ተረባሒ ዝኾነሉ ኩነታት ብምፍጣር ጉዕዞ ብልፅግናና ካብ ኹሉ፣ ብኹሉ፣ ንኹሉ ዝኾነ ንክኸውን ናይ ምግባር ስራሕ ከምዝስራሕ ፀሪሖም።
እቲ 4ይ ብርኪ ኣንፈት ምጥንኻር ዞባውን ዓለም ለኻውን ምትሕብባር ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ኩለ መዳያዊ ብልፅግና ምርግጋፅ ዝከኣል ምስ ካልኦት ብምትሕብባር ከምዝኾነ ምግላፆም ፋና ሚድያ ኮርፖሬሽን ፀብፂቡ።
ብኢኮኖሚ ምትእስሳር፣ኣብ ሓባራዊ ረብሓ ብሓባር ምስራሕ፣ ውህደት ኢኮኖሚ ምፍጣር ከምኡ እውን ፍትሓዊ ስርዓት ንክህሉን ፍርያታት ውሽጢ ሃገር ኣብ ዕዳጋ ዓለም ዝሓሸ ዕድል ንክረኽቡን ንምኽኣል ብምትሕብባር ምስራሕ ትኹረት ዝተውሃቦ እዩ ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም