ሕቶ ዋንነት ኣፍ ደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኩሉ ብሓባር ፀኒዑ ዝቃለሰሉ ብሄራዊ ኣጀንዳ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ሕቶ ዋንነት ኣፍ ደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኩሉ ብሓባር ፀኒዑ ዝቃለሰሉ ብሄራዊ ኣጀንዳ እዩ
ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 22/2018(ኢዜኣ) ሕቶ ዋንነት ኣፍ ደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ልዕልና ሃገር ዝውስንን ኩሉ ብሓባር ፀኒዑ ዝቃለሰሉን ብሄራዊ ኣጀንዳ እዩ ክብሉ ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ዋና ተፀዋዒ መንግሥቲ ሚኒስትር ተስፋዬ በልጂጌ(ዶ/ር) ገሊፆም።
ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ዋና ተፀዋዒ መንግሥቲ ሚኒስትር ተስፋዬ በልጂጌ(ዶ/ር) ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ከምዝበልዎ፤ ድሌት ምልማዕ ሃገር ኣብ ኩሎም ከባብታት ብዕዉት ኩነታት ንክሳለጥ ዜጋታት ዘበርክትዎ ዘለዉ ኣስተዋፅኦ ኣጠናኺሮም ንክቕፅልሉ ትፅቢት ይግበር።
ኢትዮጵያውያን ኣብ ሓባራዊ ብሔራዊ ረብሕኦም ፀኒዖም ክቃለሱ ከምዘለዎም ብምሕባር፤ ነዚ ድማ ሰላምን ድሕንነትን እታ ሃገር ብዝበለፀ ምጥንኻር ይግባእ ኢሎም።
መንግሥቲ መደመር ኢትዮጵያዊ ፀጋታት ሕውነትን ኣሓትን ተጠናኺሮም ንክወፁን ንህንፀት ሃገር ዓምዲ ንክኾኑን ብትግሃት እናሰርሐ ከምዝርከብ ተዛሪቦም።
ኩሎም ወገናት ልምዓት ንምርግጋፅን ንብልፅግና ዜጋታትን ብሓድነት ጠጠው ክብሉ ከምዘለዎም እውን ሓቢሮም።
ዋንነት ኣፍ ደገ ባሕሪ ብዝምልከት እውን ኢትዮጵያ እተልዕሎ ሕቶ ብቑዕን ዘእምንን ምኽንያታት ዘለውዎ ከምዝኾነ ኣብራህሪሆም።
ሕቶ በሪ ባሕሪ ጉዳይ ወደብ ጥራሕ ዘይኮነስ ልዕልና ኢትዮጵያ ዝውስን እዩ ዝበሉ እቶም ሚኒስትር፤ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ዝነበሩ ስርዓታት እዚ ሕቶ ዘልዕሉ ሰባት ደለይቲ ኵናትን ረበሽቲ ሃገርን ተገይሮም ይቑፀሩ ከምዝነበሩን እዚ ድማ ስሕተት ከምዝኾነን ኣዘኻኺሮም።
ሎሚ እዚ ዝተሰሓሓተ ተረኽ ዝደግሙ ኣካላት ከምዘለዉ ብምግላፅ፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን እቲ ሕቶ ብምልዓሉ እቲ ተሸፊኑ ዝፀንሐ መጋረጃ ከምዝተቐደደ ፀሪሖም።
ኣብ ቀረባ እዋን ምስ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ኣብ ዝተገበረ ዘተ እቲ ሕቶ ኣፍ ደገ ባሕሪ ሰፊሕ መሰረት ህዝቢ ከምዘለዎ ከምዝተረጋገፀ ብምሕባር፤ ውሑዳት ታሪኻዊ ፀላእቲ እንተዘይኮይኖም መብዛሕቲኡ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ እውን ፍትሓዊነት እቲ ሕቶ እናተረድአ ምምፅኡ ተዛሪቦም።
ብምፍላጥን ብዘይምፍላጥን መሳርሒ ታሪኻዊ ፀላእቲ ኢትዮጵያ ዝኾኑ ውሑዳት ኣካላት ካብ ታሪኽ ክመሃሩ ይግባእ ኢሎም።