ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ኣብ ቀፃሊ ዘሳልጦም ስራሕቲ እንታይ እዮም? - ኢዜአ ትግርኛ
ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ኣብ ቀፃሊ ዘሳልጦም ስራሕቲ እንታይ እዮም?
ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 22/2018(ኢዜኣ) ወሃቢ ቃል ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ጥበቡ ታደሰ ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፤ እቲ ኮሚሽን ክሳብ ሕዚ ዘሳለጦም ስራሕቲ ዕዉታት ምዃኖም ገሊፆም።
እቲ ኮሚሽን ኣብ ቀፃሊ ዘሳልጦም ቀንዲ ቀንዲ ስራሕቲ እውን ኣብራህሪሆም።
ስለዝኾነ ድማ እቲ ኮሚሽን ቅድሚ ሃገራዊ ጉባኤ ምኽክር ምፅውዑ ክሳለጡ ዘለዎም ቀንዲ ቀንዲ ስራሕቲ ከምዘለዉ ሓቢሮም።
ካብዚኣቶም ድማ ሕዚ ፃዕርታት ዝግበርሉ ዘለዉን ክልል ትግራይ ኣብቲ ምኽክር ምስታፍን እቲ ሓደ እዩ ኢሎም።
ብመሰረት ትልሚ እቲ ኮሚሽን እውን እቲ ክልል ኣብ ቀረባ እዋን ከምቶም ካልኦት ክልላት ተሳተፍቲ ብምፍላይ ኣጀንዳ ናይ ምእካብ ስርሑ ተግባራዊ ንምግባር ልዑል ፃዕሪ እናተገበረ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ኣጀንዳ ክልል ትግራይ ድሕሪ ምእካቡ ስራሕ ምቕራፅ ኣጀንዳ ካሊእ ትኹረት ዝወሃቦ ጉዳይ እዩ ኢሎም።
ክሳብ ሕዚ ብርክት ዝበሉ ኣጀንዳታት ምእካቦም ብምግላፅ፤ ካብዞም ኣጀንዳታት እዚኣቶም ድማ ናብቲ ጉባኤ ምኽክር ዝቐርቡ መሰረታውን ሃገራውን ኣጀንዳታት ክፍለዩ እዮም ክብሉ ኣረዲኦም።
ዋላ ኳ ናብቲ ሃገራዊ ምኽክር ተዘይቀረቡ በቢብርኩ ትኹረት ዘድልዮም ኣጀንዳታት ኣየኖት ከምዝኾኑ ናይ ምፍላይ ስራሕ ከምዝሳለጡ ወሲኾም ገሊፆም።
ሃገራዊ ምኽክር ዝግበረሎም ኣጀንዳታት ነቲ ህዝብን መዳርግቲ ኣካላትን ዕላዊ ምግባርን ቀረፃ ኣጀንዳ ምስላጥን ዓብይ ትኹረት ተዋሂብዎ እናተሰርሐሉ ዘሎ ስራሕ ከምዝኾነ እውን ሓቢሮም።
እቲ ከይዲ ኣሳታፍን ሓቛፍን ንክኸውን ኣብ ዝተሳለጡ ስራሕቲ ብርክት ዝበሉ እናተሳተፉ ከምዝኾኑን ክሳብ ሕዚ ናብቲ ከይዲ ዘይተሳተፉ ኣካላት ንክሳተፉ ፃዕርታት ተጠናኺሮም ከምዝቕፅሉን ተዛሪቦም።
ብመሰረት እዚ እውን ብፍላይ ድማ ኣብቲ ከይዲ ዘይተሳተፉ ኣካላት ናብቲ ከይዲ ምኽክር ንምምፃእ እቲ ኮሚሽን ትኹረት ሂቡ ከምዝሰርሐሉ ፀሪሖም።
ኣብ ላዕሊ ዝተገለፁን ተዛመድቲ ስራሕትን ምስተዛዘሙ ኣብ መወዳእታ እቲ ሃገራዊ ምኽክር ምፅዋዕ እዩ ትፅቢት ዝግበር ኢሎም።
ነቲ ጉባኤ ኣብ ዝቕረፁ ኣጀንዳታት ምኽክር ብምግባር ኣብ ምርድዳእ ምብፃሕ ዘኽእሉ ስራሕቲ ቅድመ ምድላው እናተሳለጡ ከምዝርከቡ እውን ኣብራህሪሆም።
እቲ ኮሚሽን ብመሰረት በቲ መጣየሺ ኣዋጅ ብዝተውሃቦ ተግባርን ሓላፍነትን ምኽክር ተገይሩ ኣብ ምርድዳእ ዝብፀሐሎም ጉዳያት ተግባራዊ ንክኾኑ ምኽረ ሓሳብ ብምድላው ንዝምልከቶም ብምቕራብ ንኣፈፃፅምኡ ምክትታልን ምሕጋዝን ከምዝሰርሕ ኣፍሊጦም።