ኣብ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ኩሎም ሆስፒታላት ዲጂታል ኣገልግሎት ጥዕና ንክህቡ ክግበር እዩ

ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 22/2018 (ኢዜኣ) ኣብ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ኩሎም ሆስፒታላት ኣገልግሎታት ጥዕና ብዲጂታል ምሃብ ዝኽእልሎም እታዎታት እናተማልኡ ከምዝኾኑ ሚኒስትር ዲኤታ ጥዕና ዶክተር ደረጀ ዱጉማ ገሊፆም።
ኢትዮጵያ ጥዕናን ማሕበራዊ ድሕንነትን ንምርግጋፅ ዓለም ለኸን ሃገራውን ፖሊሲታትን ስትራቴጂታትን ጥዕና ተግባራዊ ገይራ እያ።
ሚኒስትር ዲኤታ ጥዕና ዶክተር ደረጀ ዱጉማ ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ እቲ ሚኒስቴር ትካላት ጥዕና ብእታዎት ብምምዕባል፣ ብዲጂታል ዝተደገፈ ኣገልግሎት ጥዕና ብምሃብ ዲጂታል ቴክኖሎጂ ብዝሓሸ ዝጥቀም ትካል እዩ።
ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ንዓውዲ ጥዕና ሰናይ ዕድል ሒዙ ከምዝመፀ ብምሕባር፤ ኣብ ምዝዛም እቲ ስትራቴጂ መብዛሕቲኦም ትካላት ጥዕና ሜላ ሓበሬትኦም ናብ ዲጂታል ስርዓት ከእትዉ እዮም ኢሎም።



ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ 2030 ኩሎም ሆስፒታላት ሙሉእ ብሙሉእ ወረቐት ኣልቦ ኣገልግሎት ንክህቡ ኣድላይ እታዎት ዲጂታል ኣገልግሎት እናተማልአ ከምዝኾነ እውን ኣረዲኦም።
ንትካላት ጥዕና ማእኸል ዝገበሩ ስርዓታት ሓበሬታ ናብ ዲጂታል ከምዝኣትዉ ብምሕባር፤ ኣብ ሰብ ሞያ ጥዕና ቁፅፅር ዝግበረሉ ኣሰራርሓ ተግባራዊ ከምዝግበር ተዛሪቦም።
ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ዜጋታት ኣብ ገዝኦም ኮይኖም ምኽርን ኣገልግሎትን ጥዕና ዝረኽብሉን ቆፀሮ ዝሕዝሉን ቀሊልን ቅልጡፍን ዕድል ከምዝፈጥር ኣረዲኦም።
ሓበሬታ ሕክምና ተሓከምቲ ብቐሊሉ ምርካብ ዘኽእል ዲጂታል ስርዓት ተግባራዊ ከምዝግበር ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር ዲኤታ፤ ንስርዓት ዲጂታል ሓበሬታ ዘቀላጥፉ እታዎታት ናብ ውሽጢ ሃገር እናኣተዉ ከምዝርከቡ ገሊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም