ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ኣተሓሳስባ ባዕዳዊ መግዛእቲ ንከብቅዕ ብምግባር ሓዱሽ ምዕራፍ ምትሕብባር ከፊቱ እዩ

ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 22/2018 (ኢዜኣ) ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ኣብ ሩባ ኣባይ ኣተሓሳስባ ባዕዳዊ መግዛእቲ ንከብቅዕን ሓዱሽ ምዕራፍ ምትሕብባር ንክኽፈትን ዝገበረ ፕሮጀክት ከምዝኾነ ኣብ ስዊድን ዩኒቨርሲቲ ኡፕሳላ ፕሮፌሰር ክፍሊ ምርምር ሰላምን ጎንፅን ኣሾክ ስዌን ገሊፆም።
ፕሮፌሰር ኣሾክ ስዌን ካብ ስራሕቲ ምርምር ብተወሳኺ ኣብ ትካል ትምህርቲ፣ ሳይንስን ባህልን ውሕመ(ዩኔስኮ) ኣቦ መንበር ዓለም ለኸ ምትሕብባር ማይ እዮም።
እቶም ፕሮፌሰር ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ተመሪቑ ስራሕ ዝጀመረሉ እዋን ኢትዮጵያ ኣብ ዲፕሎማሲ ኣፍሪካ እናዓበየ ዝመፀ ፅልዋ ፈጣሪነታ ብዝበለፀ እናዓበየ ከምዝመፀ ዘርኢ ከምዝኾነ ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ተዛሪቦም።
ኢትዮጵያ ኣብ ምረቓ ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ንኣፍሪካ ጠንካራ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፈት እውን ሓቢሮም።
ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ዓብይ ዓወት ምህንድስናን ዲፕሎማስን ከምዝኾነ ብምሕባር፤ እቲ ህንፀት ግዳማዊ ፅልዋ ብምፅዋርን ብትልሚ ብምምራሕን ንዓወት ምብቅዑ ገሊፆም።
ኢትዮጵያ ካብ ግብፅን መሻርኽታን ዝበፅሓ ፅልዋ ብምፅዋር እዚ ዓብይ ፕሮጀክት ዛዚማ እያ ኢሎም።
ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያውያን ምስ መንግሥቲ ብሓባር ብምዃን ጋህዲ ዝገበርዎ ብሄራዊ ዓወት ከምዝኾነ እውን ኣረዲኦም።
እቲ ግድብ ኣፍሪካ ብባዕላ ምስራሕን ምፍፃምን ትኽእክል እያ ዝብል ኣተሓሳስባ ብተግባር ገሊፁ ዘርኣየ እዩ ኢሎም።
እቲ ግድብ ሩባ ኣባይ ናይ ሓንቲ ሃገር ጥራሕ ብዝብል ንነዊሕ እዋን ዝፀንሐ ኣተሓሳስባ ባዕዳዊ መግዛእቲ ንከብቅዕ ከምዝገበረ እውን ፀሪሖም።
ሩባ ኣባይ ንብርክት ዝበላ ሃገራት ረብሓ ዘለዎ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ንኣባይ ብፍትሓውን ማዕርነትን ምጥቃም ከምዝከኣል ኣርእዩ እዩ ክብሉ ሓቢሮም።
ግብፂ ኣብ ምትሕብባር ሓይሊ እቲ ዞባ ተረባሒት ምዃን ከምትኽእል ዝገለፁ እቶም ፕሮፌሰር፤ ኣብ ጉዳያት ማይ ብሕታዊ ስጉምቲ ካብ ምውሳድ ምስ ሃገራት ተፋሰስ ብምትሕብባር ክትሰርሕ ኣለዋ ኢሎም።
ብተወሳኺ እውን ኢትዮጵያ በሪ ባሕሪ ናይ ምርካብ ሕቶኣ ትኽክለኛ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ በሪ ባሕሪ ናይ ምርካብ መሰላ ዘተዓናቕፉ ምንቅስቓሳት ትኽክል ከምዘይኮኑ ኣተሓሳሲቦም።
ሃገራት እቲ ተፋሰስ ኣብ ኣጠቓቕማ ሃፍቲ ማይ ዘለዉ ጉዳያት ብዘተ ክፈትሕኦ ከምዘለወን እውን ሓቢሮም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም