ስትራቴጂክ ምሕዝነት ኢትዮጵያን ህንድን ንምጥንኻር ዘኽእሉ ስራሕቲ እናተሳለጡ እዮም - ኢዜአ ትግርኛ
ስትራቴጂክ ምሕዝነት ኢትዮጵያን ህንድን ንምጥንኻር ዘኽእሉ ስራሕቲ እናተሳለጡ እዮም
ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 22/2018(ኢዜኣ) ስትራቴጂክ ምሕዝነት ኢትዮጵያን ህንድን ንምጥንኻር ዘኽእሉ ስራሕቲ እናተሳለጡ ከምዝኾኑ ኣምባሳደር ህንዲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣኒል ኩማር ራይ ገሊፆም።
እቶም ኣምባሳደር ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ከምዝበልዎ፤ ኢትዮጵያን ህንድን ንነዊሕ ዘበን ዝዘለቐ ርክብ ዘለወን ሃገራት እየን።
ኢትዮጵያ ኣብ ህንዲ ማእኸል ባህሊ ዘለዋ ብሕታዊት ኣፍሪካዊት ሃገር ከምዝኾነት ብምግላፅ፤ ባህሊ ኢትዮጵያ ኣብ ህንዲ ብዝበለፀ ንምልላይ ከምዝስራሕ እውን ተዛሪቦም።
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ሰሙን ልዕሊ 40 በረራ ናብ ህንዲ ከምዝገብር ዝገለፁ እቶም ኣምባሳደር፤ ነቲ ትካል ኣምባሳደር ባህሊ ኢትዮጵያ ክብሉ ንኢዶሞ።
ዑደት ቀዳማይ ሚኒስትር ናሪንዲራ ሞዲ ስዒቡ ርክብ ኢትዮጵያን ህንድን ናብ ስትራቴጂክ ምሕዝነት ምዕባዩ እውን ሓቢሮም።
ርክብ ክልቲአን ሃገራት ናብ ስትራቴጂክ ምሕዝነት ምዕባዩ ካብ ኢኮኖምን ንግድን ብተወሳኺ ኣድማስ ምትሕብባር ዘስፍሕ እዩ ኢሎም።
እቲ ዑደት ስዒቡ እተን ሃገራት ኣብ ጉምሩኽ፣ምኽባር ሰላም፣ማእኸል ዳታ ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ኢትዮጵያ ምህናፅ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ስምምዓት ምፍራሞም ኣዘኻኺሮም።
ርክብ እተን ሃገራት ናብ ስትራቴጂክ ምሕዝነት ምዕባዩ ምትሕብባር ደቡብ ንደቡብ ዘጠናኽርን እተን ሃገራት ዘለወን ዓለም ለኸ ምሕዝነት ዘዕብን ከምዝኾነ ኣረዲኦም።