ክሳብ ሕዚ ብዝተሳለጡ ስራሕቲ ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ተመዝጊቦም እዮም-ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ

ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 21/2018 (ኢዜኣ) ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ካብ ዝጣየሽ ጀሚሩ ብዘሳለጦም ስራሕቲ ብርክት ዝበሉ ዓወታት ምምዝጋቦም ኣፍሊጡ።

እቲ ኮሚሽን እቲ ሃገራዊ ምኽክር ንምምራሕ ዘይሻራዊ ኮይኑ ከምዝተጣየሸ ዝገለፁ ወሃቢ ቃል ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ጥበቡ ታደሰ፤ ክሳብ ሕዚ ዕዉታት ስራሕቲ ከምዘሳለጠ ንኢዜኣ ተዛሪቦም።

ብመሰረት እዚ እውን መዳርግቲ ኣካላት ተፈልዮም ኣብቲ ከይዲ ሃገራዊ ምኽክር ንክሳትፉ ኣብ ምግባር ብርክት ዝበሉ ውፅኢታት ዝተረኸብሎም ስራሕቲ ተሳሊጦም እዮም ኢሎም።

ካብ ክልል ትግራይ ብዝተረፈ ኣብ ኩሎም ክልላት፣ ምምሕዳር ከተማታት ኣዲስ ኣበባን ድሩአዳዋን፣ ዲያስፖራ ማሕበረሰብን ብብርኪ ፌዴራልን ኣጀንዳታት ናይ ምትእኽኻብ ስራሕቲ ብዓወት ከምዝተሳለጡ ወሲኾም ገሊፆም።

ኣጀንዳ ዝተኣከብሉ መንገዲ ብርክት ዝበሉ ብዝተሳተፉሎም መድረኻት ከምዝኾነ ብምሕባር፤ እዚ ድማ ልምምድ ዲሞክራሲ ብምዕባይ ከይዲ ምኽክር ንክምዕብል ርኡይ ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ሓቢሮም።

እቲ ከይዲ ምኽክር ናይ ኢትዮጵያውያን ንክኸውንን መዳርግቲ ኣካላት ሰብ ዋና እቲ ከይዲ ንክኾኑን ዝተሰርሑ ስራሕቲ እውን ውፅኢት ዝተረኸበሎም እዮም ኢሎም።

ብግልፅን ዘይሻራውን ኣሰራርሓ ሓቛፍን ኣሳታፍን ብዝኾነ መንገዲ ተሳተፍቲ ምፍላይ ምኽኣሉ ካብቶም ዝተረኸቡ ውፅኢታት እቲ ሓደ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።

እቲ ኮሚሽን ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ክልል ትግራይ ከይዲ ምኽክር ምእካብ ኣጀንዳ ከምዘካይድ ብምግላፅ፤ ኣብቶም ዝተረፉ ኩሎም ክልላት፣ ክልቲኦም ምምሕዳር ከተማታት፣ማሕበረሰብ ዲያስፖራን ብብርኪ ፌዴራልን ኣጀንዳታት ናይ ምእካብ ስራሕቲ ብዓወት ምስላጦም ወሲኾም ሓቢሮም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም