ከይዲ እቲ ሃገራዊ ምኽክር ንህንፀት ጠንካራ ሃገረ መንግሥትን ብሄራዊ ምርድዳእን መሰረት ኣብ ዘንብረሉ ወሳኒ ምዕራፍ በፂሑ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ከይዲ እቲ ሃገራዊ ምኽክር ንህንፀት ጠንካራ ሃገረ መንግሥትን ብሄራዊ ምርድዳእን መሰረት ኣብ ዘንብረሉ ወሳኒ ምዕራፍ በፂሑ እዩ
ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 21/2018(ኢዜኣ) ከይዲ እቲ ሃገራዊ ምኽክር ንህንፀት ጠንካራ ሃገረ መንግሥትን ብሄራዊ ምርድዳእን መሰረት ኣብ ዘንብረሉ ወሳኒ ምዕራፍ ከምዝበፅሐ ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ተፀዋዒ መንግሥቲ ሚኒስትር ተስፋዬ በልጂጌ (ዶ/ር) ገሊፆም።
ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ተፀዋዒ መንግሥቲ ሚኒስትር ተስፋዬ በልጂጌ (ዶ/ር) ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ከምዝበልዎ፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ህንፀት ጠንካራ ሃገረ መንግሥቲ ዘቀላጥፉ ስራሕቲ እናተሳለጡ እዮም ዝርከቡ።
ነዚ ድማ ሓቛፊ ሃገራዊ ምኽክር ንምግባር፣ ሰላማውን ዲሞክራሲያውን መረፃ ንምክያድ፣ ልዕልነት ሕጊ ዝተረጋገፀላ ሃገር ንምህናፅ ከምኡ እውን ፀገማት ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ቀዳምነት ተዋሂብዎ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ኣብ ነዊሕ ዓመት ታሪኽ ኢትዮጵያ ብሄራዊ ምርድዳእ ዘይምፍጣር፣ ፀገማት ብዝሰልጠነ መንገዲ ዘይምፍታሕን ድሑር ፖለቲካዊ ኣመለኻኽታን ኣብ ውሽጢ እቲ ሃገረ መንግሥቲ ዝተርኣዩ ስምብራታት ምዃኖም እውን ኣብራህሪሆም።
ከይዲ ሃገራዊ ምኽክር ምዕዋት፣ መረፃ ብዕዉት መንገዲ ምክያድ፣ፀገማት ብሰላማዊ መንገዲ ምፍታሕ፣ ልዕልነት ሕጊ ምርግጋፅ ንኹሎም ኢትዮጵያውያን እትኸውን ሃገር ንምህናፅ ዘኽእል እዩ ኢሎም።
ከይዲ እቲ ሃገራዊ ምኽክር ውፅኢታዊ ምዃን ዝፀንሑ ፀገማት ኢትዮጵያ ትርጉም ብዘለዎ መልክዑ ከምዝፈትሕ ብምግላፅ፤ ስምብራታት ኢትዮጵያ ኣብ ምፅጋን ርኡይ እጃም ከምዝህልዎ ኣረዲኦም።
እቲ ምኽክር ንብሄራዊ ምርድዳእ ወሳኒ ኣብ ዝኾኑ ጉዳያት ምርድዳእ ንምፍጣር ስለዝሕግዝ ኩሉ ብንቕሓት ክሳትፍ ከምዘለዎ ብምሕባር፤ ንጎንፂ መበገሲ ዝኾኑ ጉዳያት ብዝሰልጠነ መንገዲ ንምፍታሕ እውን ትኽክለኛ ኣማራፂ ከምዝኾነ ገሊፆም።
ሃገራዊ ምኽክር ንህንፀት ጠንካራ ሃገረ መንግሥቲ፣ ዘላቒ ሰላምን ብሄራዊ ምርድዳእን መሰረት ኣብ ዘንብረሉ ወሳኒ ምዕራፍ ከምዝበፅሐ ሓቢሮም።
ዕዉት ሃገራዊ ምኽክር ምስላጥ ኩሎም ዜጋታት ዝተረዳድእሉ ሓባራዊ ሕገ መንግሥቲ ጋህዲ ንምግባርን ወሳኒ ኣብ ዝኾኑ ጉዳያት ሓባራዊ ምርድዳእ ንምፍጣርን ስለዝሕግዝ ንቑሕ ተሳትፎ ኩሉ ዜጋ ከምዝሓትት ተዛሪቦም።
ብተወሳኺ እውን ኣብ ክልል ትግራይ ኣጀንዳ ምእካብን ምፍላይ ተሳተፍትን ንምስላጥ ዘኽእሉ ስራሕቲ ምድላው ከምዝተሳለጡ ብምግላፅ፤ ነዚ ድማ ምስ ዝተፈላለዩ መዳርግቲ ኣካላት እቲ ክልል ዘተታት ከምዝተገበሩ ነቲ ቤት ምኽሪ ካብ ዝቐረቡ ፀብፃባት ምርዳእ ይከኣል እዩ ኢሎም።