ብስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ዝተትሓዙ ትልምታት ንዓውዲ ቡን ብዝበለፀ ውፅኢታዊ ዝገብሩ እዮም - ኢዜአ ትግርኛ
ብስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ዝተትሓዙ ትልምታት ንዓውዲ ቡን ብዝበለፀ ውፅኢታዊ ዝገብሩ እዮም
ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 21/2018(ኢዜኣ) ብስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ዝተትሓዙ ትልምታት ንዓውዲ ቡን ብዝበለፀ ውፅኢታዊ ዝገብሩ ከምዝኾኑ በዓል መዚ ቡንን ሻሂን ኢትዮጵያ ገሊፁ።
ምክትል ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ቡንን ሻሂን ኢትዮጵያ ሻፊ ዑመር ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ከምዝበልዎ፤ ቅድሚ እቲ ለውጢ ከባቢ 500 ሽሕ ቡን ይፈሪ ከምዝነበረን ካብዚ ድማ እቲ ፍርቂ ጥራሕ ንዕዳጋ ወፃኢ ይቐርብ ከምዝነበረን ኣዘኻኺሮም።
እቲ ናይ ለውጢ መንግሥቲ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ሓዊሱ እቲ ዓውዲ ብቴክኖሎጂ ንምሕጋዝ ብዝወሰዶም ስጉምትታት ኣብ ፍርያትን መፍረያይነትን ቡን 3 ዕፅፊ ከምኡ እውን ኣብ ኣታዊ ሸርፊ ወፃኢ 4 ዕፅፊ ዕቤት ከምዝተመዝገበን እዚ ድማ ኩለ መዳያዊ ዓወት እቲ ዓውዲ ከምዘርእን ተዛሪቦም።
ኣብ ህንፀት ዲጂታል ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ቴክኖሎጂ ዝለዓለ እጃም ከምዘለዎ ብምሕባር፤ ኣብ ፀጋ ሰንሰለት ቡን ዘለዉ ኣሰራርሓታት እውን ብቴክኖሎጂ ናይ ምድጋፍ ስራሕ እናተሳለጠ እዩ ኢሎም።
ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ንዝተፈላለዩ ዓውድታት ውፅኢታዊ ክገብሩ ዝኽእሉ ቴክኖሎጂታት ሒዙ ከምዝመፀ እውን ኣረዲኦም።
ብፍላይ ድማ ሕፅረት ሓበሬታ ዕዳጋ እቲ ሓረስታይ ንምፍታሕን ሓደሽቲ ዓሌታት ዝራእቲ ንምብፃሕን ወሳኒ እዩ ኢሎም።
ብመዳይ እዚ ብስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ዝተትሓዙ ትልምታት ንዓውዲ ቡን ብዝበለፀ ውፅኢታዊ ዝገብሩ ከምዝኾኑ ገሊፆም።