ንማሕበረሰብ ገጠር ብመሰረተ ልምዓት ብምርኻብ ማሕበራውን ኢኮኖሚያውን ተረባሕነት ንምርግጋፅ ትኹረት ተገይሩ እዩ

ሆሳዕና/ታሕሳስ 21/2018(ኢዜኣ) ንማሕበረሰብ ገጠር ብመሰረተ ልምዓት ብምርኻብ ማሕበራውን ኢኮኖሚያውን ተረባሕነት ንምርግጋፅ ትኹረት ከምዝተገበረ ሚኒስትር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ጫልቱ ሳኒ ገሊፀን።
ሃገራዊ መድረኽ ጎስጓስ ኣባይትን መሰረተ ልምዓትን ማዕቐፍ ትራንስፎርሜሽን ገጠር ኣብ ከተማ ሆሳእና ይካየድ ኣሎ።



ሚኒስትር ጫልቱ ሳኒ ኣብዚ እዋን ከምዝበልኦ፤ መነባብሮ ማሕበረሰብ ገጠር ብምምዕባል ማሕበራዊ፣ ኢኮኖሚያውን ፖለቲካውን ተረባሕነት ንምዕባይ ማእኸላት መንደራት ገጠር ተመስሪቶም እዮም።
እቶም ማእኸላት ተበታቲኑ ዝነብር ሓረስታይ ኣብ ዝተወሰነ ቦታ ብምእካብ ማሕባረውን ኢኮኖሚያውን ትካላት ብምህናፅ ተረባሒ መሰረተ ልምዓት ንምግባር ዝዓለሙ እዮም ኢለን።
ተበፃሕነት እቶም ማእኸላት መንደራት ገጠር ንምስፋሕን ብፕላን ንምምራሕን ድማ እዚ መድረኽ ጎስጓስ ከምዘድለየ ሓቢረን።
ስለዝኾነ ድማ እቲ ማዕቐፍ ትራንስፎርሜሽን ገጠር ንምዕዋት እቶም ማእኸላት ገጠር ተዋዲዶም ብምስራሕ ግብርና ንምምዕባል፣መሰረተ ልምዓት ገጠር ንምምላእን ምትእስሳር ዕዳጋ ንምጥንኻርን ዝዓለመ ዕላማ ከምዘለዎም ኣረዲአን።
 እዚ ተግባራዊ ንምግባር ድማ ካብቲ መድረኽ ዝርከቡ ተሞኩሮታት ብምውዳድ ንማሕበረሰብ ገጠር ምችው ከባቢ ንምፍጣርን ፍርያትን መፍረያይነትን ንምዕባይን ብትኹረት ከምዝስራሕ ተዛሪበን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም