ሕቶ ዋንነት ኣፍ ደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ከመይ ይፈፀም ናብ ዝብል ዓለም ለኸ ተቐባልነት ዘለዎ ዓወት ዲፕሎማሲ ምስግጋር ተኻኢሉ እዩ-ሚኒስትር ጌዲዮን ጢሞቲዎስ(ዶ/ር) 

ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 21/2018(ኢዜኣ)ሕቶ ዋንነት ኣፍ ደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ከመይ ይፈፀም ናብ ዝብል ዓለም ለኸ ተቐባልነት ዘለዎ ዓወት ዲፕሎማሲ ምስግጋር ከምዝተኽኣለ ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ(ዶ/ር) ገሊፆም።
ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ሎሚ መዓቲ ኣብ ዘሳለጦ መበል 6ይ ስሩዕ ኣኼብኡ ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ(ዶ/ር) ካብ ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ንዝቐረቡሎም ሕቶታት መልስን መብራህርህን ሂቦም።



ኣብ ዝሃብዎ መብራህርሂ እውን፤ ኢትዮጵያ ካብ ዝኾነ እዋን ብዝበለፀ ዓለም ለኸ ተሰማዕነትን ዓወታት ዲፕሎማሲን እናመዝገበት እያ ኢሎም።
ኣብ ቀፃሊ እውን ብሄራዊ ረብሓን ክብርን ኢትዮጵያ ዘረጋግፁ ዞባዊ፣ ኣህጉራውን ዓለም ለኻውን ስራሕቲ ምትሕብባር ዲፕሎማሲ ተጠናኺሮም ንክቕፅሉ ሓቲቶም።
ኢትዮጵያ ምስ መብዛሕቲአን ሃገራት እቲ ዞባ ኣብ ቅዋም ሓባራዊ ተረባሕነት መሰረት ዝገበረ ሰናይ ጉርብትናን ርክብን ከምዘለዋ እውን ኣረዲኦም።
ሓያላት ሃገራት ብሄራዊ ረብሐአን ንምሕላው ኣብ ዝነሓናሓሉ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪካ ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ዘሐልዉ ዕዉታት ስራሕቲ ዲፕሎማሲ እናተሳለጡ ከምዝኾኑ ኣብራህሪሆም።
ርክብ ጎረቤት ሃገራት እውን ብሓይሊ ኤሌክትሪክ፣ ባቡር፣ መንገድን ካልኦት መሰረተ ልምዓታትን ናይ ምትእስሳር ስራሕ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣረጋጊፆም።
ኣብ ፐብሊክን ዲጂታል ዲፕሎማሲን እውን ርክብ ህዝቢ ንህዝቢ ብምጥንኻር ረብሓን ክብርን ዜጋታት ዘረጋግፁ ስራሕቲ እናተሳለጡ እዮም ኢሎም።
ብዘይሕጋዊ ደላሎ ተታሊሎም ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ሳዑዲ ዓረቢያን ማይናማርን ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ዝነበሩ ዜጋታት ናብ ሃገሮም ንክምለሱ ከምዝተገበረ ሓቢሮም።
ሕጋዊ ስምምዕ ወፍሪ ስራሕ ናብ ዝተገበረለን ሃገራት ዝተጉዓዙ ዜጋታት መሰሎምን ረብሐኦምን ተሓልዩ ኣገልግሎት ቆንስላን ዲፕሎማስን ዝሰርሑለን ሃገራት እናተውሃበ ከምዝኾነ እውን ኣረዲኦም።
ሕቶ ዋንነት ኣፍ ደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ስትራቴጂካዊ ትልሚ ነዊሕ ዓመታት፣ ብሄራዊ ረብሓ ሃገርን ወለዶን ብዘገናዘበ ምልክዑ ምላሽ ዝረኽበሉ ስራሕ ዲፕሎማሲ እናተሳለጠ እዩ ኢሎም።
ኣጀንዳ ሕቶ ዋንነት ኣፍ ደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ንዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ምርዳእ ዘኽኣሉ ዕዉታት ስራሕቲ ዲፕሎማሲ ከምዝተሰርሑ እውን ገሊፆም።
ስለዝኾነ ድማ ሕቶ ዋንነት ኣፍ ደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ከመይ ይፈፀም ናብ ዝብል ዓለም ለኸ ተቐባልነት ዘለዎ ዓወት ዲፕሎማሲ ምስግጋር ከምዝተኽኣለ ኣገንዚቦም።
እዚ ኣብ ግምት ብምእታው እውን ካብ ውሽጢ ሃገር ክሳብ ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ዜጋታት ኣብ ጉዳይ ብሄራዊ ረብሓ ሃገሮም ብምትሕብባር ክሰርሑ ከምዝግባእ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም