ዲጂታል ምዝገባ ሲቪልን ቤተሰብን ንዕዉትነት ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ዝለዓለ ኣስተዋፅኦ ኣለዎ - ኢዜአ ትግርኛ
ዲጂታል ምዝገባ ሲቪልን ቤተሰብን ንዕዉትነት ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ዝለዓለ ኣስተዋፅኦ ኣለዎ
ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 21/2018(ኢዜኣ) ዲጂታል ምዝገባ ሲቪልን ቤተሰብን ድሕንነት ምምሕዳር፣ፍትሕን ሃገርን ብምርግጋፅ ንዕዉትነት ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ዝለዓለ ኣስተዋፅኦ ከምዝህልዎ ዋና ዳይሬክተር ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን ሰላማዊት ዳዊት ገሊፀን።
ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን መድረኽ ዘተ መዳርግቲ ኣካላት ኣካይዱ።
ዋና ዳይሬክተር ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን ሰላማዊት ዳዊት ኣብዚ እዋን ከምዝበልኦ፤ ስርዓት ምዝገባ ሲቪልን ቤተሰብን ዘበናዊ ማሕበረሰብ ብምፍጣር ዝማዕበለት ሃገር ንምህናፅ ወሳኒ እዩ።
መንግሥቲ ንዕዉትነት ህንፀት ስርዓት ዲጂታል መንነት፣ቀረፃ ፖሊሲ፣ትልምታት ሃገራዊ ልምዓትን ሽቶታት ልምዓት 100 ዓመትን ኣዋጅ ምዝገባ ሲቪልን ቤተሰብን ብሓዱሽ መልክዑ ንክመሓየሽ ከምዝተገበረ ሓቢረን።
ዲጂታል ምዝገባ ሲቪልን ቤተሰብን ድሕንነት ምምሕዳር፣ፍትሕን ሃገርን ብምርግጋፅ ንዕዉትነት ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ዝለዓለ ኣስተዋፅኦ ከምዝህልዎ እውን ተዛሪበን።
ምዝገባ ሲቪልን ቤተሰብን ኣገልግሎት ኣወሃህብኡ ብምምዕባል ዝተጀመረ ጉዕዞ ለውጢ ንምቅልጣፍ ዘኽእል እዩ ኢለን።
ብጠንካራ ዲጂታል ስርዓት ዝተደገፈ ምዝገባ ሲቪልን ቤተሰብን ዘበናዊ ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን ብምዝርጋሕ ድሕንነት ሃገር ንምርግጋፅን ዓለም ለኻዊ ምንቅስቓስ ዜጋታት ንምቅልጣፍን ቁልፊ መሳርሒ ከምዝኾነ ኣረዲአን።
እዚ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ኣሰራርሓ ወረቐት ሱር ቦቆስ ብዝኾነ መልክዑ ምቕያር ዘኽእል እዩ ኢለን።
ነዚ ስዒቡ እውን ምስ ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ብምትሕብባር መተግበሪ ምዝገባ ብምምዕባል ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምዝገባ ከምዝጀመረ ብምግላፅ፤ ኣብ ቀፃሊ ኣብ ኩሎም ከባብታት እታ ሃገር ተግባራዊ ከምዝግበር ገሊፀን።