ሕቶ ዋንነት ኣፍ ደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ዘበን ተሳጋሪ ሽቶ ዘለዎ ሕቶ እዩ-ሚኒስትር ጌዲዮን ጢሞቴዎስ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 21/2018(ኢዜኣ) ሕቶ ዋንነት ኣፍ ደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ዘበን ተሳጋሪ ሽቶ ዘለዎ ሕቶ ወለዶ ከምዝኾነ ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ጢሞቴዎስ(ዶ/ር) ገሊፆም።
ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ሎሚ መዓልቲ መበል 6ይ ስሩዕ ኣኼብኡ ኣካይዱ።
ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቴዎስ(ዶ/ር) ኣብዚ እዋን ካብ ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ንዝቐረቡሎም ሕቶታት መልስን መብራህርህን ሂቦም።



ኣብ ዝሃብዎ መልስን መብራህርህን እውን፤ ኢትዮጵያ ዘቕረበቶ ሕቶ ዋንነት ኣፍ ደገ ባሕሪ ወለዶ ተሳጋሪ ሽቶ ዘለዎ ሕቶ ወለዶ እዩ ኢሎም።
ዋንነት ኣፍ ደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ እቲ ሚኒስቴር ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ልዑል ስራሕ እናሳለጡ ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።
ካብ መንግሥቲ ዝኾነ ዓይነት ደገፍ ከይተገበረሎም ብዝተፈላለዩ ኣማራፅታት ሚድያ ንዝቃለሱ ዘለዉ ዜጋታት እውን እቲ ሚኒስቴር ምስጋና ኣቕሪቡ።
ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝርከቡ ኤምባሲታት እውን ድሌት ኣፍ ደገ ባሕሪ እታ ሃገር ንምዕዋት ዘሳልጥዎ ዘለዉ ስራሕ ዝተበባዕ ከምዝኾነ ኣረዲኦም።
ኣብ ቀፃሊ እውን ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ንምኽባር ኣብ ዝግበር ዲፕሎማሲያዊ ፃዕሪ ኩሉ ዜጋ ትፅቢት ዝግበረሉ ሓላፍነት ክዋፃእ ይግባእ ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም