ነፃ ዞባ ንግዲ ድሬዳዋ ስርዓት ንግድን ሎጂስቲክስን ኢትዮጵያ ኣብ ምቅልጣፍ ተስፋ ዝህቡ ውፅኢታት እናተርኣይሉ እዮም

ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 21/2018(ኢዜኣ) ነፃ ዞባ ንግዲ ድሬዳዋ ስርዓት ንግድን ሎጂስቲክስን ኢትዮጵያ ኣብ ምቅልጣፍ ተስፋ ዝህቡ ውፅኢታት እናተርኣይሉ ከምዝኾነ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታት ኢንዱስትሪ ፍስሃ ይታገሱ(ዶ/ር) ገሊፆም።
እቲ ኮርፖሬሽን ኣብ ዙርያ ነፃ ዞባ ንግዲ ድሬዳዋ ኣብ ቀፃሊ ንዝሳለጡ ስራሕቲ ግልፅነት ንምፍጣርን ሰብ ሃፍቲ ኣብቲ ዞባ ብሰፊሑ ንክሳተፉ ንምትብባዕን ዝዓለመ መድረኽ ምኽክር መዳርግቲ ኣካላት የካይድ ኣሎ።



ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታት ኢንዱስትሪ ፍስሃ ይታገሱ(ዶ/ር) ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ነፃ ዞባ ንግዲ ድሬዳዋ ናብ ሙሉእ ትግበራ ካብ ዝኣትው ዋላ ኳ ገና ሓደ ዓመት ዘይመልኦ እንተኾነ ስርዓት ንግድን ሎጂስቲክስን እታ ሃገር ኣብ ምቅልጣፍ ግና ተስፋ ዝህቡ ውፅኢታት እናተርኣይሉ እዮም ዝርከቡ።
ኣብ ዝቕፅሉ 5 ዓመታት ከባቢ 4 ቢልዮን ዶላር ፍርያት ብነፃ ዞባ ንግዲ ድሬዳዋ ኣቢሉ ንምስላጥ ሽቶ ተታሒዙ እናተሰርሐ ከምዝርከብ እውን ተዛሪቦም።
እቲ ዞባ ንብልፅግና ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ዘለዎ እጃም ንምዕባይ ትካላት መንግስትን ዓውዲ ውልቀን ተዋዲዶም ክሰርሑ ከምዝግባእ ፃውዒት ብምቕራብ፤ ፍቓድ ስራሕ ዝወሰዱ ሰብ ሃፍቲ እውን ብቕልጡፍ ናብ ስራሕ ክኣትዉ ኣለዎም ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም