ዲጂታል ልኣላዊነታ ዝሓለወት፣ብፈጠራን ቴክኖሎጅን ዝማዕበለት፣ዝበልፀገት ኢትዮጵያ - ኢዜአ ትግርኛ
ዲጂታል ልኣላዊነታ ዝሓለወት፣ብፈጠራን ቴክኖሎጅን ዝማዕበለት፣ዝበልፀገት ኢትዮጵያ
መንግሥቲ ብልፅግና ኢትዮጰጵያ ንምርግጋፅ ወሳኒ እዮም ብምባል ካብ ዝሓንፀፆም ትልምታትን ዓብይ ትኹረት ዝሃቦምን ዲጂታል ኢትዮጵያ ምህናፅ እቲ ሓደ እዩ።
መፃኢ ዕድል ኢትዮጵያ ኣብ ዕቤት ፈጠራን ቴክኖሎጅን ናይ ሎምን ፅባሕን ወለዶ ንምህናፅ ዝዓለመ ስትራቴጂ ዲጂታል ኢኮኖሚ ፅሬት ዘለዎን ምስቲ ዘበን ዝኸይድን ሓቛፊ ኢኮኖሚ ንምህናፅ ዘኽእል ውፅኢት እናተርኣየሉ እዩ ዝርከብ።
ዓምድታት ስትራቴጂ ተባሂሎም ካብ ዝተቐመጡ፤
1) ተበፃሕነት ምስፋሕ፤ ኣብ መንጎ ከተማን ገጠርን ዘሎ ዲጂታል ኣፈላላይ ብምፅባብ ዜጋታት ኣብ ዝኾነ ስፍራ ተጠቀምቲ ቴክኖሎጂ ንክኾኑ ምግባር።
2) ማዕረ ዕድላት ምፍጣር፣ዜጋታት ኣብቲ ዲጂታል ኢኮኖሚ ማዕረ ተሳትፎን ተረባሕነትን ንክህልዎም ምችው ኩነታት ምምችቻው።
3) ምትእምማን ምህናፅ፣ኣብ መንጎ ትካላትን ዜጋታትን ድሕንነት ሳይበርን ዳታን ብምርግጋፅ ድሕንነቱ ዝተሓለወ ዲጂታል ስርዓት ምህናፅ ይርከብዎም።
ብተወሳኺ እውን እዚ ስትራቴጂ ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ለኸ ዲጂታል ኢኮኖሚ ዘለዋ ተወዳዳሪነት እተረጋግፀሉን ኣገልግሎታት መንግሥቲ ብግልፂ ንዜጋታት ዝቐርብሉን መንገዲ ዘሳልጥ እዩ።
እቲ ስትራቴጂ ኣብ ግብርናን ጥዕናን፣ዘበናዊ ዲጂታል መሳርሕታት ብምክታት መፍረያይነትን ፅሬት ኣገልግሎትን ምዕባይ፣ኣብ ፋይናንስን ትምህርትን፣ሓቛፍነት ፋይናንስ ምርግጋፅን ንናይ ፅባሕ ወለዶ ኣተሓሳስባ ዲጂታል ፈጠራ ምስራፅን፣ኣብ ፈጠራ ዕድል ስራሕ፣ንዲጂታል ፈጠርቲ ስራሕ ምችው ምህዳር ብምፍጣር መናእሰይ ዓቕሚ ፈጠርኦም ናብ ኢኮኖሚያዊ ፀጋ ንክቕይሩ ምኽኣልን ተመሳሰልትን ረብሓታት ኣለውዎ።
መስሕባት ቱሪስት ኢትዮጵያ ብዲጂታል ኣማራፂ ንዓለም ብምልላይ ኣታዊ ሸርፊ ወፃኢ ምዕባይ እውን ካሊእ ሽቶ እዚ ስትራቴጂ እዩ።
ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ሃፍቲ ፈጠርቲ ኣፍረይቲ ስታርትኣፓትን ዓቕሚ ዲጂታል ክእለትን ብዝለዓለ ብርኪ ብምዕባይ ሰፊሕ ዕድል ስራሕ ምፍጣር፣ሓቛፍነት ፋይናንስ ብዲጂታል ቴክኖሎጂ ብምርግጋፅን ዜጋታት ኣብ ምንቅስቓስ ኢኮኖሚ እታ ሃገር ንቑሕ ተሳትፎ ንምግባርን ንክኽእሉ ምግባር ዘኽእል ልኡኽቶታት እውን ዘለውዎ እዩ።
ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግሥቲ!