ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ተወዳዳሪነት ፍርያት ኢንዱስትሪ ንምቅልጣፍ ርኡይ እጃም ክህልዎ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ተወዳዳሪነት ፍርያት ኢንዱስትሪ ንምቅልጣፍ ርኡይ እጃም ክህልዎ እዩ
ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 20/2018(ኢዜኣ) ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ፅሬትን ተወዳዳሪነትን ፍርያት መፍረያይ ኢንዱስትሪ ንምቅልጣፍ ርኡይ እጃም ከምዝህልዎ ሚኒስትር ኢንዱስትሪ መላኩ ኣለበል ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ መዛዘሚ ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2025ን ምጅማር ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030ን ኣብ ማእኸል ዓለም ለኸ ኮንቬንሽን ኣዲስ ምክያዱ ዝዝከር እዩ።
ሚኒስትር ኢንዱስትሪ መላኩ ኣለበል ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ ብመበገሲ ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2025 መፍረያይነት መፍረያይ ኢንዱስትሪ ምምዕባል ዘኽእል መሰረት ተነቢሩ እዩ ኢሎም።
ኣብ ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 እውን ብዘበናዊ ስርዓት ቴክኖሎጂ ዝተደገፈ ተወዳዳሪ ዓቕሚ መፍረያይ ኢንዱስትሪ ንምህናፅ ዝለዓለ ኣስተዋፅኦ ከምዝህልዎ ሓቢሮም።
ኣብ ቀፃሊ እውን ብመበገሲ ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ኣብ መፍረያይ ኢንዱስትሪ ኢትዮጵያ ምችው ዲጂታላይዜሽን ምህዳር ንምፍጣር ብቆራፅነት ከምዝስራሕ ተዛሪቦም።
ስግግር ዲጂታላዜሽን ዕቤት ኢንዱስትሪ ብምቅልጣፍ ፅሬትን ዓለም ለኸ ተወዳዳሪነትን ፍርያት ብምርግጋፅ ጉዕዞ ብልፅግና ኢትዮጵያ ንምቅልጣፍ ዘይትካእ እጃም ከምዘለዎ ኣረዲኦም።
ኣብ ጎስጓስ ኢትዮጵያ ተፍሪ ዓውዲ ኢንዱስትሪ ዘመዝገቦ እመርታዊ ዕቤት ንምቕፃል ህንፀት መሰረተ ልምዓት ዲጂታላዜሽን ትኹረት ከምዝተውሃቦ ኣብራህሪሆም።
ቁልፊ ትልምታት ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ዲጂታል መሰረተ ልምዓትን ዓቕሚ መፍረያይነትን መፍረያይ ኢንዱስትሪ ንምምሕያሽ ሃናፂ እጃም ኣለዎ ኢሎም።