ስታርትኣፓት ንዕዉትነት ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ሃናፂ እጃም ክህልዎም እዩ-እቲ ሚኒስቴር - ኢዜአ ትግርኛ
ስታርትኣፓት ንዕዉትነት ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ሃናፂ እጃም ክህልዎም እዩ-እቲ ሚኒስቴር
ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 20/2018(ኢዜኣ) ስታርትኣፓት ተበፃሕነትን ማዕርነትን ዲጂታል ኣገልግሎት ብምርግጋፅ ንዕዉትነት ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ሃናፂ እጃም ከምዝህልዎም ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ገሊፁ።
እቲ ሚኒስቴር ኣብ ውፅኢታት ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2025ን ኣብ ዓውድታት ትኹረት ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030ን ካብ ጋዜጠኛታት ንዝቐረብሉ ሕቶታት መልስን መብራህርህን ሂቡ።
ሚኒስትር ዲኤታ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ሙሉቀን ቀሬ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2025 ንልምዓት ዲጂታል ኢኮኖሚ መሰረት ኣንቢሩ እዩ።
ዓወት እቲ ስትራቴጂ ልምዓት ዲጂታል ኢኮኖሚ ንምህናፅ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ቁልፊ መሳርሒ ኮይኑ ከገልግል እዩ ኢሎም።
ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 እንሃንፃ ኢትዮጵያ ብዲጂታል ቴክኖሎጂ ዝተደገፈት ንክትኸውን ምኽኣል እዩ ኢሎም።
ህንፀት ሃገራዊ መንነትን ፀጋን መሰረት ዝገበረ ሓቛፊ ዲጂታል ኢኮኖሚ ንምቅልጣፍ ዘኽእል ከምዝኾነ እውን ኣረዲኦም።
ሚኒስትር ዲኤታ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ባይሳ በዳዳ(ዶ/ር) ብግደኦም፤ ስታርትኣፓት ተበፃሕነትን ማዕርነትን ዲጂታል ኣገልግሎት ብምርግጋፅ ንህንፀት ዲጂታል ኢኮኖምን ንዕዉትነት ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030ን ሃንፂ እጃም ከምዝህልዎም ገሊፆም።
እቲ ስትራቴጂ ኣብዚ ሕዚ እዋን ንዘለዉ ስታርትኣፓት መሰረት ከምዘንበረ እውን ተዛሪቦም።
ኢትዮጵያ ተግባራዊ ዝገበረቶ ኣዋጅ ስታርትኣፕ ዓለም ለኸ ኢንቨስትመንት ከምዝስሕብ ብምግላፅ፤ ኢትዮጵያ ማእኸል ኢኖቬሽን ኣፍሪካ ምግባር ዘኽእል እዩ ኢሎም።
ኣብ ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ብርክት ዝበሉ ስታርትኣፓት ብምፍራይ ተበፃሕነትን ፅሬትን ኣገልግሎት ንምዕባይ ከምዝሰርሕ እውን ኣፍሊጦም።
ስታርትኣፓት ኣብ ኩሎም ክፋላት እታ ሃገር ፍርያትን መፍረያይነትን ብምዕባይ፣ ፅሬትን ቅልጣፈን ብምምሕያሽ ንኹሉ ኣሳታፊ ለውጢ ንከመዝግቡ ትፅቢት ከምዝግበር ሓቢሮም።