ኢትዮጵያ ምስ ቻይና፣ብራዚልን ደቡብ ኣፍሪካን ኣብ ዓውዲ ፍትሒ ዝገበረቶም ስምምዓት ርክብ እተን ሃገራት ብዝበለፀ ዘጠናኽሩ እዮም

ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 20/2018(ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ምስ ቻይና፣ብራዚልን ደቡብ ኣፍሪካን ኣብ ዓውዲ ፍትሒ ዝገበረቶም ስምምዓት ኣብ መንጎ እተን ሃገራት ንዘሎ ርክብ ብዝበለፀ ከምዘጠናኽሮ ኣካቢት ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ሕግን ፍትሕን ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ እፀገነት መንግሥቱ ገሊፀን።
ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ሕግን ፍትሕን ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ብዝርዝር ንክረኣዩ ኣብ ዝተመርሕሉ ኣርባዕተ ዝተፈላለዩ ረቀቕቲ ኣዋጃት መፅደቒ ስምምዓት መድረኽ መረድኢ ኣካይዱ።
እቲ ቀዳማይ ኣብ መንጎ መንግሥቲ ኢትዮጵያን መንግስቲ ህዝባዊት ሪፐብሊክ ቻይናን ዝተገበረ ስምምዕ ምትሕልላፍ ፍርደኛታት እዩ።
እቲ ካልኣይ ድማ ኣብ መንጎ መንግሥቲ ኢትዮጵያን መንግስቲ ህዝባዊት ሪፐብሊክ ቻይናን ኣብ ጉዳያት ገበንን ዝተገበረ ስምምዕ ምትሕብባር ሕጊ እዩ።
እቲ ሳልሳይ ኣብ መንጎ መንግሥቲ ኢትዮጵያን መንግስቲ ፌዴራላዊ ሪፐብሊክ ብራዚልን ዝተገበረ ስምምዕ ምምሕልላፍ ፍርደኛታት እንትኸውን እቲ ራብዓይ ድማ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ደቡብ ኣፍሪካን ኣብ ዝተገበረ ስምምዕ ኣብ ጉዳይ ገበን ዝድለዩ ገበነኛታት ኣሕሊፍካ ምሃብ እዩ።
ሰብ ሞያ ማእኸል ሕጊ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣብቶም ዝቐረቡ ረቂቕ ኣዋጃት መፅደቒ ስምምዓት ሕቶን ርኢቶን ሂቦም።
ብመሰረት እቲ ስምምዕ ፍርደኛታት ኣሕሊፍካ ኣብ ምሃብ ንዝግበር ክልቲኣዊ ምትሕብባር ጠንካራ ማዕቐፍ ሕጊ ዝፈጥር ከምዝኾነ ሓቢሮም።
ነቶም ዝተልዓሉ ሕቶታትን ርኢቶታትን መልስን መብራህርህን ዝሃቡ ሚኒስትር ዲኤታ ፍትሒ በላይሁን ይርጋ፤ እቶም ስምምዓት እተን ሃገራት ዘለወን ርክብ ኣብ ግምት ዘእተዉ እዮም ኢሎም።
ዕላማ እቶም ስምምዓት ኣብ ጉዳይ ሕጊ እተን ሃገራት ዘለወን ምትሕብባር ዘጠናኽሩ ከምዝኾኑ ብምሕባር፤ ኣብ ዓውዲ ፍትሒ ርኡይ ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎም ተዛሪቦም።
እቶም ስምምዓት ኣብ መንጎ እተን ሃገራት ዘሎ ስትራቴጂካዊ ርክብ ዘጠናኽሩ ከምዝኾኑ ብምግላፅ፤ እቲ ቤት ምኽሪ እቶም ስምምዓት ኣብ ሓፂር እዋን ንከፅድቖም ሓቲቶም።



ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ምክትል ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ሕግን ፍትሕን ኢሳ ቦሩ፤ እቶም ስምምዓት ኣብ መንጎ እተን ሃገራት ዘሎ ምትሕብባር ብዝበለፀ ዘጠናኽር እዩ ኢሎም።
ንስርዓት ፍትሒ ኣስተዋፅኦ ከምዝህልዎ ብምሕባር፤ ምስ ብሄራዊ ረብሓ ሃገር ዝተኣሳሰር ዓብይ ረብሓ ዘለዎም ስምምዓት ከምዝኾኑ እውን ገሊፆም።



ኣካቢት ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ሕግን ፍትሕን ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ እፀገነት መንግሥቱ፤ እቶም ስምምዓት ዓውዲ ዲፕሎማሲ እናዓበየ ከምዝመፀ መርኣያ እዮም ኢለን። 
ተሃነፅቲ ካብ ምቅብባል ብዝሓለፈ ኣብ መንጎ እተን ሃገራት ዘሎ ርክብ ዘጠናኽሩ ከምዝኾኑ እውን ኣረዲአን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም