ስትራቴ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ንውፅኢታዊነት ስርዓት ዕድጊት ኤሌክትሮኒክስ መንግሥቲ ቁልፊ እጃም ኣለዎ

ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 20/2018(ኢዜኣ) ስትራቴ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ንውፅኢታዊነት ስርዓት ዕድጊት ኤሌክትሮኒክስ መንግሥቲ ቁልፊ እጃም ከምዘለዎ በዓል መዚ ምምሕዳር ዕድጊትን ንብረትን መንግሥቲ ፌዴራል ገሊፁ።
ወና ዳይሬክተር እቲ በዓል መዚ መሰረት መስቀሌ ንኢዜኣ ከምዝበልኦ፤ ግልፅነት ኣሰራርሓ ዕድጊት መንግሥቲ ንምርግጋፅ ስርዓት ዕድጊት ኤሌክትሮኒክስ (e-GP) ተግባራዊ ተገይሩ እዩ።
ስለዝኾነ ድማ ኣብ በጀት ዓመት 2018 ኩሎም ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ፌዴራልን መንግሥትን ዝፍፅምዎ ዕድጊት ብስርዓት ዕድጊት ኤሌክትሮኒክስ ንክፍፀም እናተገበረ ከምዝኾነ ኣፍሊጠን።
ስርዓት ዕድጊት ኤሌክትሮኒክስ መንግሥቲ እውን ተጫረትቲ ውሽጢ ሃገርን ወፃእን ማዕረን ግልፅን ዕድል መጫረቲ ዝረኽብሉ ፍትሓዊ ኣሰራርሓ እናረጋገፀ ከምዝርከብ ኣረዲአን።
ውፅኢታውነት ስርዓት ዕድጊት ኤሌክትሮኒክስ መንግሥቲ ንምርግጋፅ እውን ምስ ዝምልከቶም ትካላት ኣድላይ ዝኾኑ ሰነዳት ናይ ምትእስሳር ስራሕ ከምዝተሰርሐ ተዛሪበን።
ብዝተሰሓሓተ መንነት ዕድጊት መንግሥቲ ንከይፍፀም ምስ ብሄራዊ መለለዪ መንነት ፋይዳ ብምትሕብባር ደረጅኡ ዝሓለወ ኣሰራርሓ ንምዝርጋሕ እናተሰርሐ እዩ ኢለን።
ስለዝኾነ ድማ በዓል መዚ ምምሕዳር ዕድጊትን ንብረትን መንግሥቲ ፌዴራል ዘበናዊ ስርዓት ኣሰራርሓ ዕድጊት ብምዝርጋሕ ንውፅኢታውነት ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጰያ 2030 እጃሙ እናተዋፅአ ከምዝኾነ ገሊፀን።
ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጰያ 2030 እውን ውፅኢታውነት ስርዓት ዕድጊት መንግሥቲ ንምምሕያሽ ርኡይ ኣስተዋፅኦ ከምዝህልዎ ሓቢረን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም