ካብ ኢኮኖሚያዊ ስምብራት ናብ ኢኮኖሚያዊ ምንስርራእ - ኢዜአ ትግርኛ
ካብ ኢኮኖሚያዊ ስምብራት ናብ ኢኮኖሚያዊ ምንስርራእ
ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 20/2018(ኢዜኣ) ፕሮግራም ዝተማልአ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ዘመዝገቦም ጭቡጥን ዘላቕን ውፅኢታት ዕቤት ንጠንካራን ተወዳዳርን ኢኮኖሚ መሰረት ከምዘንበሩ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግሥቲ ፌዴሪኢ ገሊፁ።
እቲ ኣገልግሎት ‘ካብ ኢኮኖሚያዊ ስምብራት ናብ ኢኮኖሚያዊ ምንስርራእ’ብዝብል ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፤ እቲ ዝተገበረ መመሓየሺ ኢኮኖሚ ሃገር ካብ ውድቀት ዘድሓነ እዩ ኢሉ።
ሙሉእ መግለፂ እቲ ኣገልግሎት ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ፤
ካብ ኢኮኖሚያዊ ስምብራት ናብ ኢኮኖሚያዊ ምንስርራእ
ፕሮግራም ዝተማልአ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ጭቡጥን ዘላቕን ውፅኢታት ዕቤት ብምምዝጋብ ንጠንካራን ተወዳዳርን ኢኮኖሚ መሰረት ኣንቢሩ እዩ።
ቆራፅነት መንግሥቲ ኣብ ዝተርኣየሉ እዚ መመሓየሺ ኢኮኖሚ ንዓመታት ኣብ ልዕሊ ኢኮኖሚ ኣንፀላሊዎም ዝነበሩ መዋቕራዊ ፀገማት በቢብርኩ ንክቕንሱን ውሽጣዊ ዓቕሚ ዘለዎ፣ምስ ዓለም ዝተኣሳሰረን ኣብ ዕዳጋ ተወዳዳሪ ዝኾነን ጠንካራ ኢኮኖሚ ንክህነፅን ምችው ኩነታት ምፍጣር ተኻኢሉ እዩ።
እቲ ዕቤት ኢኮኖሚ ብዝለዓለ ብርኪ ንክቀላጠፍ ብፍላይ ናህሪ ዋጋ ኣብ ምርግጋዕ፣ውህላል ሸርፊ ወጻኢ ኣብ ምዕባይ፣ተካእቲ ፍርያታት ኣብ ምትብባዕ፣ሓደሽቲ ዋሕዝታት ኢንቨስትመንት ኣብ ምስሓብን እቲ መመሓየሺ ክሳብ ሕዚ ኣብ ዘሎ ጉዕዞ ዘመዝገቦም ዓወታት እዮም።
ጎና ጎኒ እዚ እውን መንግሥቲ ብተኸታታሊ ዝወሰዶም ቆራፅ ውሳነታት መመሓየሽታት ንዝተረኸበ ውፅኢት መሰረት እዮም። መንግሥቲ እቲ ስምብራት ኢኮኖሚ ንክፅገንን ዳግማይ ንከንሰራርእን ካብ ዝወሰዶም ቁልፊ ስጉምትታትን ካብ ዘሳለጦም ስራሕትን ተመን ሸርፊ ወፃኢ ብዕዳጋ ንክምራሕን ገንዘብ ኢትዮጵያ ትኽክለኛ ዋጋ ንክረክብን ምግባሩ ይርከብዎም።
ስለዝኾነ ድማ ቅድሚ ሕዚ ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ክዘዋወር ዝፀንሐ ሸርፊ ወፃኢ ናብ ሕጋዊ ስርዓት ባንኪ ንክኣትው ብምግባር ብምኽንያት ሕፅረት ዶላር ንክዕፀዉ ኣብ ጫፍ በፂሖም ዝነበሩ ትካላት ኢንቨስትመንት ናብ ስራሕ ንክኣትዉን እቲ ኢኮኖሚ ካብ ዝገጠሞ ስምብራት ዳግማይ ንክድሕንን ዘኽኣለ ውፅኢት ምስላጥ ተኻኢሉ እዩ።
ካሊእ መንግሥቲ ካብ ዘሳለጦም ቁልፊ ስራሕቲ ልቓሕ ወፃኢ ምምጥጣንን ምስራዝን ንክግበር ዕዉት ድርድር ምግባሩ እዩ። ስለዝኾነ ድማ ኢትዮጵያ ቅድሚ ሕዚ ዝወሰደቶም ልቓሓት ልዑል ወለድ ዝኽፈለሎምን ኣብ ውሽጢ ሓፂር እዋን ዝኽፈሉን ኮሜርሺል ሎን ብምዃኖም ሃገር ንከቢድ ፈተና ኣቃሊዖም ፀኒሖም እዮም።
እዚ ፀገም ንምፍታሕ መንግሥቲ ምስ ኣለቃሕቲ ሃገራትን ትካላት ፋይናንስን ብዝገበሮ ዕዉት ድርድር ከባቢ 4.5 ቢሊዮን ዶላር ዝፅጋዕ ምምጥጣን ልቓሕ ምግባር ተኻኢሉ እዩ። ስለዝኾነ ድማ እታ ሃገር ልቓሕ ወፃኢ ንምኽፋል እትጥቀመሉ ዝነበረት ሃፍቲ ውህላል ሸርፊ ወፃኢ ውሽጢ ሃገር ንምዕባይን ኣብ መላእ እታ ሃገር ንዝሳለጡ ዘለዉ ስራሕ ልምዓት ንክውዕልን ዕድል ፈጢሩ እዩ፤ ትካላት ፋይናንስ ኣዝዩ ኣጠናኺሩ እዩ።
ካብ ኹሎም ብዝበለፀ ድማ እቲ ትግበራ ዝተማልአ መመሓሺ ኢኮኖሚ ዝተረኸበሉ ውፅኢት ዋሕዚ ኢንቨስትመንት ወጻኢ ግልፅን ዝግመትን ስርዓት ሸርፊ ምፍጣሩ እዩ።
ስለዝኾነ ድማ ሰብ ሃፍቲ ወፃኢ ኣብ ሃገርና ዘለዎም እምነት ንክጠናኸር፣ናብ ውሽጢ ሃገር ዝኣትው ካፒታል ንክውስኽን ከም ሃገር ኩለ መዳያዊ ምንቕቓሕ ኢኮኖሚ ንክፍጠርን ገይሩ እዩ።
ብሓፈሻ እቲ ዝተገበረ መመሓሺ ኢኮኖሚ ንሃገር ካብ ውድቀት ብምድሓን፣ውህላል ሸርፊ ወፃኢ ብምዕባይን ጥንካረ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ብምጥንኻርን ምስ ማሕበረሰብ ንግዲ ዓለም ዘለዋ ርክብ ናብ ዝለዓለ ምዕራፍ ንክሰጋገር ገይሩ እዩ።
እቶም ዝተረኸቡ ውፅኢታት ዘላቒ ንክኾኑ ንግዲ ወፃኢ(Export) ምዕባይ፣ተካእቲ ፍርያታትን መፍረያይነትን ምውሳኽ ቀንዲ ትኹረት መንግሥቲ ኮይኖም ክቕፅሉ እዮም።