ኢትዮጵያ ኣብ ታሪኻዊ ስግግር ዓውዲ ሓምለዋይ ትራንስፖርት እያ ትርከብ-ሚኒስትር ዓለሙ ስሜ(ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ኣብ ታሪኻዊ ስግግር ዓውዲ ሓምለዋይ ትራንስፖርት እያ ትርከብ-ሚኒስትር ዓለሙ ስሜ(ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 18/2018(ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ኣብ ታሪኻዊ ስግግር ዓውዲ ሓምለዋይ ትራንስፖርት ከምትርከብ ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ዓለሙ ስሜ(ዶ/ር) ገሊፆም።
መበል ካልኣይ ፎረም ዓውደ ርእይ ምንቅስቓስ ቀናሲ ብኽለት(ግሪን ሞቢሊቲ) 2025 ሎሚ መዓልቲ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኣብ ዝተረኸበሉ ኣብ ማእኸል ዓለም ለኸ ኮንቬንሽን ኣዲስ ተኸፊቱ።
ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ዓለሙ ስሜ(ዶ/ር) ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኢትዮጵያ ንለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዘይቃላዕ ኢኮኖሚ ንምህናፅ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ እናሳለጠት እያ ትርከብ።
ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ብብርኪ ዓለም መርኣያ ዝኾነ ስራሕ እናሳለጠት ከምዝኾነት ብምሕባር፤ ዓውዲ ትራንስፖርት እውን ኣብ ታሪኻዊ ስግግር እዩ ዝርከብ ኢሎም።
እቲ ሚኒስቴር እቲ ዓውዲ ንምምዕባልን ከባቢ ዘይብክል ንምግባርን ብዘውፅኦ ስትራቴጂ ኣብ ዝሓለፉ ውሑዳት ዓመታት ውፅኢታት ከምዝተመዝገቡ እውን ኣረዲኦም።