ኢትዮጵያ ኣብ ሓምለዋይ ልምዓት መሰረት ኣብ ዝገበረ ዕዉት ጉዕዞ ብልፅግና እያ ትርከብ-ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ






 

ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 18/2018(ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ኣብ ሓምለዋይ ልምዓት መሰረት ኣብ ዝገበረ ዕዉት ጉዕዞ ብልፅግና ከምትርርከብ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።

እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር መበል ካልኣይ ሃገራዊ ቅነ “ምንቅስቓስ ቅነሳ ብኽለት(ግሪን ሞቢሊቲ) 2025” ሎሚ መዓልቲ ኣብ ማእኸል ዓለም ለኸ ኮንቬንሽን ኣዲስ ብዕሊ ከፊቶም።

እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዚ እዋን ኣብ ዝገበረዎ መደረ ከምዝበልዎ፤ ጉዕዞ ብልፅግና ኢትዮጵያ ቀንዲ መሰረቱ ሓምለዋይ ልምዓት ከምዝኾነ ኣፅንኦት ሂቦም።

ኢትዮጵያ ብመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ዘመዝገብቶ ዓወት ኣብ ዓውዲ ሓምለዋይ ትራንስፖርትን ሎጅስቲክስን ንምድጋም እናሰርሐት ከምዝኾነት ኣፍሊጦም።

ስለዝኾነ ድማ ቅነሳ ልቀት ካርቦን በካሊ ጋዝን ንለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዘይቃላዕ ስርዓት ኢኮኖምን ንምህናፅ ብቆራፅነት እናተሰርሐ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ወዲ ሰብ ምስ ተፈጥሮ ዝነበሮ ተቓርኖ ምፍታሕ ዝከኣል ብኽለት ብዝቕንሱ ቴክኖሎጂታት ጉዕዝኡ እንትመርሕ ጥራሕ እዩ ኢሎም።

ዓለም ለኸ ዘተታት ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ካብ ዘረባ ብዝሓለፈ ናብ ተግባር ክሰጋገሩ ከምዝግባእ ኣረዲኦም።

ኢትዮጵያ ውፅኢትን ተግባርን ተኮር ኣካይዳታት መፍትሒ እናተኸተለት እያ ዝበሉ እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ብኽለት ቀናሲ ምንቅስቓስ ሓምለዋይን ምስፍሕፋሕ ተሽከርከርቲ ኤሌክትሪክን ቀንዲ መርኣያ እዚ ተግባራዊ ምላሽ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

እቲ ኣውደ ረእይ ንኣብዮት ብኸለት ምንካይ ኢቲዮጲያ ዘተባብዑ ቴክኖሎጂታት መርአያ ምኹኑ ገሊፆም ።

ብተወሳኺ መውፃእቲ ፖሊሲ ሰብ ሃፍትን ዜጋታትን ብሓባር ይህነፅ ብዛዕባ ዘሎ  ግንዛበ ኣገልግሎት ዘመናዊ ትራንስፖርት ዘላቒ ልምዲ ንክህልዎም የኸእል እዩ ኢሎም።  

መንግስቲ ንዕውትነት እዚ ዕላማ ኩል ግዘ ታራ መሪሕነቱ ኣጎልቢቱ ከምዝቐፅል ኣረጋጊፆም ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም