ሕቶ ዋንነት ኣፍ ደገ ባሕሪ ጉዳይ ህልውና ሃገር ስለዝኾነ መልሲ ክወሃቦ ይግባእ - ኢዜአ ትግርኛ
ሕቶ ዋንነት ኣፍ ደገ ባሕሪ ጉዳይ ህልውና ሃገር ስለዝኾነ መልሲ ክወሃቦ ይግባእ
ኣኽሱም/ታሕሳስ 18/2018(ኢዜኣ) ሕቶ ዋንነት ኣፍ ደገ ባሕሪ ጉዳይ ህልውና ሃገር ስለዝኾነ መልሲ ክወሃቦ ይግባእ ክብሉ ዝተፈላለዩ ክፋላት ማሕበረሰብ ከተማ ኣኽሱም ተዛሪቦም።
ጉዳይ ኣፍ ደገ ባሕሪ ብዝምልከት ኢዜኣ ዘዘራረቦም ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ከተማ ኣኽሱም፤ ሕቶ ዋንነት ኣፍ ደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ካብ መሰረታዊ ኣገልግሎት ብተወሳኺ ጉዳይ ህልውና ምዃኑ ገሊፆም።
ካብቶም ወሃብቲ ርኢቶ መምህር በረከት ሃይለ፤ ኢትዮጵያ ዓብይ ኢኮኖሚን ብዙሕ ህዝብን ሒዛ በሪ ባሕቲ ክትስእን ኣይግባእን ኢሎም።
ኢትዮጵያ ካብ ቀይ ባሕሪ ኣብ ቀረባ ርሕቐት እናሃለወት ካልኦት ካብ ርሑቕ መፂኦም ዝጥቀምሉ በሪ ምኽላእ ብሞራል ይኹን ብሕጊ ተቐባልነት ከምዘይብሉ ሓቢሮም።
ስለዝኾነ እውን ኢትዮጵያ ወናኒት በሪ ባሕሪ ክትኸውን ከምዘለዋ ብምሕባር፤ እዚ ንምዕዋት ድማ ሓደራ እዚ ወለዶ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ካሊእቲ ወሃቢት ርኢቶ መምህርት ፍረወይኒ ፍስሃ፤ ሕቶ ዋንነት ኣፍ ደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ጉዳይ ምንባርን ዘይምንባርን እዩ ኢለን።
እቲ ሕቶ ኣፍ ደገ ባሕሪ ሓቅነት ታሪኽን ተቐባልነት ሕግን ዘለዎ፣መልክኣ ምድርን ፍትሓዊነትን መሰረት ዝገበረ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ብኩሎም መለክዕታት መሰል ዋንነት ኣፍ ደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ክኽበር ከምዝግባእ ኣረዲአን።
ስለዝኾነ ድማ ሕቶ ወለዶ ዝኾነ ሕቶ ዋንነት ኣፍ ደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ብቅዋም ሓባራዊ ተረባሕነት መልሲ ክረክብ ዘለዎ ኣጀንዳ ህዝቢ ከምዝኾነ ተዛሪበን።
ነባሪ ከተማ ኣኽሱምን በዓል ሞያ ሕግን ኣብርሃም ኣለማ፤ ሕቶ ዋንነት ኣፍ ደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ብሕጊ ይኹን ብታሪኽ ተቐባልነት ዘለዎ ጉዳይ ከምዝኾነ ገሊፆም።
ስለዝኾነ ድማ ብመሰረት ዓለም ለኸ ሕጊ ኢትዮጵያ ኣብ ቀረብኣ ኣብ ዘሎ ቀይሕ ባሕሪ መሰል ዋንነት ኣፍ ደገ ባሕራ ክኽበር ግድን እዩ ኢሎም።