ግብርና ምምዕባልን መፍረያይነት ምዕባይን ቁልፊ ኣጀንዳ መንግሥቲ እዩ -ሚኒስትር ኣዲሱ ኣረጋ 

ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 18/2018 (ኢዜኣ) ንግብርና ብቴክኖሎጂ ብምድጋፍ ፍርያትን መፍረያይነትን ምዕባይ ቁልፊ ኣጀንዳ መንግሥቲ ከምዝኾነ ሚኒስትር ግብርና ኣዲሱ ኣረጋ ገሊፆም።
ኣብ ስትራቴጂታት ሜካናይዜሽን ግብርናን ልምዓት ግብርና ከተማን ዝጠመተ መድረኽ ምኽክር መዳርግቲ ኣካላት ይካየድ ኣሎ።



ሚኒስትር ግብርና ኣዲሱ ኣረጋ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ መንግሥቲ ንዓውዲ ግብርና ብዘበናዊ ቴክኖሎጂ ብምድጋፍ ውፅኢታዊ ንምግባር ብቆራፅነት እናሰርሐ እዩ ዝርከብ።
መንግሥቲ እቲ ዓውዲ ብምምዕባል ፍርያትን መፍረያይነትን ምዕባይ ከምኡ እውን ብምግቢ ዓርስኻ ምኽኣል ቁልፊ ኣጀንዳ ገይሩ እናሰርሐ እዩ ኢሎም።
ስትራቴጂ ሜካናይዜሽን ግብርና ምድላዉ እቲ ግብርና ንክምዕብልን ሰንሰለት ፀጋ ኣብ ምሕፃርን ዝለዓለ እጃም ከምዘለዎ ሓቢሮም።
መንግስት ግብርና ንምምዕባል ማሽነሪታት ሜካናይዜሽን ግብርና ካብ ቀረፅ ነፃ ንክኣትዉ ከምዝገበረን ትራክተራት ሓዊሱ ብርክት ዝበላ ኮምባይነራት ናብ ሓረስታይ ከምዘብፀሐን ተዛሪቦም።
ስለዝኾነ ድማ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት 6 ነጥቢ 3 ሚልዮን ሄክታር መሬት ብሜካናይዜሽን ግብርና ምልማዕ ከምዝኸኣለ ኣረዲኦም።
ምስ ቀረብ ልቓሕ ማሽነሪታት ብዝተኣሳሰረ ዝረኣዩ ማሕለኻታት ንምፍታሕ እውን ዝተፈላለዩ ኣመራፅታት ተግባራዊ እናተገበሩ ከምዝኾኑ ሓቢሮም።



ስትራቴጂ ልምዓት ግብርና ከተማ እውን ትራርፎርሜሽን ግብርና ካብ ነዐውተሎም ጉዳያት እቲ ሓደ እዩ ዝበሉ እቶም ሚኒስትር፤ እቲ ስትራቴጂ መሬታት ከተማ ብኣግባቡ ንምጥቃም ዘኽእል እዩ ኢሎም።
ኣብ ዝሓለፉ ውሑዳት ዓመታት ኣብ ግብርና ከተማ ብዝተሳለጡ ስራሕቲ ውፅኢት ከምዝተረኸበ ብምግላፅ፤ እቲ ውፅኢት ቀፃልነት ንክህልዎ ብኣግባቡን ትካላዊ ብዝኾነ መልክዑን ምድጋፍ ከምዝግባእ ተዛሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም