ኣተሓሳስባ መደመር ከተማታት ብስርዓት ንክምርሓ ብምግባር ሃገራዊ ትራንስፎርሜሽን ንከምፅኣ በሪ ከፊቱ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣተሓሳስባ መደመር ከተማታት ብስርዓት ንክምርሓ ብምግባር ሃገራዊ ትራንስፎርሜሽን ንከምፅኣ በሪ ከፊቱ እዩ
ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 18/2018 (ኢዜኣ) ኣተሓሳስባ መደመር ኣዲስ ኣበባ ሓዊሱ ከተማታት ብስርዓት ንክምርሓ ብምግባር ሃገራዊ ትራንስፎርሜሽን ንከምፅኣ በሪ ከምዝኸፈተ ብመዓርግ ምክትል ከንቲባ ዋና መካየዲ ስራሕ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኢንጂነር ወንድሙ ሴታ ገሊፆም።
ብመዓርግ ምክትል ከንቲባ ዋና መካየዲ ስራሕ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኢንጂነር ወንድሙ ሴታ ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ከምዝበልዎ፤ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብኣተሓሳስባ መደመር ዝተሳለጡ ስራሕቲ ልምዓት ንነበርቲ ተረባሕቲ ዝገበሩ እዮም።
ኣተሓሳስባ መደመር ከተማታት ብስርዓት ንክምርሓ ምግባር፣ሓምለዋይን ንነበርቲ ምችዋትን ከተማታት ምፍጣር ዘኽእል ኣንፈት ዝሓዘ እዩ ኢሎም።
እቶም ስራሕቲ ልምዓት ንኣዲስ ኣበባ ብብርኪ ዓለም ተወዳዳርን ብቕልጡፍ ዕቤተን ኣብ ቅድሚት ተፀዋዕትን ካብ ዝኾና ከተማታት ንክትስለፍ ከምዘኽኣሉ እውን ተዛሪቦም።
እታ ከተማ ብዲጂታል መሰረተ ልምዓት ብምሕጋዝ ብፕላን እትምራሕ፣ኩለ መዳያዊ ኣገልግሎት ምሃብ እትኽእል፣ንለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዘለዋ ተቓላዕነት ዝተሓተን ሓቛፊትን ንክትኸውን እናተሰርሐ ከምዝኾነ ኣረዲኦም።
እታ ከተማ ስማርት ሲቲ ኣብ ምግባር እውን ልምዓት ኮሪደር ሓዊሱ ዝተፈላለዩ መሰረተ ልምዓታት ካብ ምህናፅ ጀሚሩ ዕዉታት ስራሕቲ እናተሳለጡ ከምዝኾኑ ገሊፆም።
ስለዝኾነ ድማ ፅርይቲ፣ሰሓቢትን ሓምለወይትን ከተማ ምህናፅ ከምዝተኽኣለ ብምሕባር፤ ኣተሓሳስባ መደመር ከተማታት ሃገራዊ ትራንስፎርሜሽን ንከምፅኣ መንገዲ ከምዝኸፈተ ሓቢሮም።
ኣብ ቀፃሊ እውን ዘበናውን ኩሉ ዘማልአትን ከተማ ንመፃኢ ወለዶ ንምርካብ ዝተጀመሩ ፃዕርታት ተጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ኣረጋጊፆም።