ብመስኖ ስርናይ ሓጋይ መፍረያይነት ዝራእቲ ብምዕባይ ልኣላዊነት ምግቢ ምርግጋፅ ዘኽእል እመርታዊ ዓቕሚ እናተፈጠረ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ብመስኖ ስርናይ ሓጋይ መፍረያይነት ዝራእቲ ብምዕባይ ልኣላዊነት ምግቢ ምርግጋፅ ዘኽእል እመርታዊ ዓቕሚ እናተፈጠረ እዩ
ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 17/2018(ኢዜኣ) ብመስኖ ስርናይ ሓጋይ መፍረያይነት ዝራእቲ ብምዕባይ ልኣላዊነት ምግቢ ምርግጋፅ ዘኽእል እመርታዊ ዓቕሚ እናተፈጠረ ከምዝኾነ ሚኒስቴር ግብርና ገሊፁ።
ኣብ ሚኒስቴር ግብርና መራሒ ፈፃሚ ስራሕ ልምዓት ዝራእቲ ኢሳያስ ለማ ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ መፍረያይነት መስኖ ስርናይ ሓጋይ ብምዕባይ ልኣላዊነት ምግቢ ምርግጋፅ ዘኽእል እመርታዊ ዓቕሚ እናተፈጠረ እዩ።
ኣብ 2011 ዓ/ም ኣብ ልዕሊ 3 ሽሕን 500 ሄክታር መሬት ዝተጀመረ ሕርሻ መስኖ ስርናይ ሓጋይ ናብ 4 ነጥቢ 2 ሚልዮን ሄክታር መሬት ብምስፋሕ ካብ ንዓርስኻ ብተወሳኺ ንዕዳጋ ወፃኢ ምቕራብ ዘኽኣለ ዓቕሚ ፍርያት ከምዝተፈጠረ እውን ተዛሪቦም።
ኣብ 2017 ዓ/ም ኣብ ልዕሊ 3 ነጥቢ 5 ሚልዮን ሄክታር መሬት ካብ ዝፈረየ ፍርያት 128 ሚልዮን ኩንታል ምእካብ ዘኽኣለ ዓወት ከምዝተመዝገበ ኣረዲኦም።
ኣብዚ ዓመት እውን መርሃ ግብሪ ልምዓት መስኖ ስርናይ ሓጋይ 4 ነጥቢ 2 ሚልዮን ሄክታር መሬት ብዝራእቲ ብምሽፋን 175 ሚልዮን ኩንታል ፍርያት ንምእካብ ከምዝተተለመ ሓቢሮም።
ስለዝኾነ ድማ ብብርኪ ሃገር 3 ነጥቢ 1 ሚልዮን ሄክታር ሕርሻ ዝራእቲ ብምድላው ካብዚ ድማ ክሳብ ሕዚ 2 ነጥቢ 7 ሚልዮን ሄክታር መሬት ብስርናይ ከምዝተሸፈነ ኣፍሊጦም።