ዓወት ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ተወሳኺ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ንምስራሕ ዕድል ዝፈጠረ እዩ-ሚኒስትር ጌታቸው ረዳ

ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 17/2018 (ኢዜኣ) ዓወት ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ተወሳኺ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ንምስራሕ ዕድል ዝፈጠረ ከምዝኾነ ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስትር ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪካ ሚኒስትር ጌታቸው ረዳ ገሊፆም።
“ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ንምንስርራእ ኢትዮጵያ”ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ዘዳለዎ መድረኽ ዘተ’ምእንተ ኢትዮጵያ’ እቲ ግድብ ኣብ ዝርከበሉ ተኻይዱ።



 ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስትር ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪካ ሚኒስትር ጌታቸው ረዳ ኣብቲ መድረኽ ተረኺቦም ከምዝበልዎ፤ ዓወት ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ተወሳኺ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ንምስራሕ ዕድል ዝፈጠረ እዩ።
ኢትዮጵያ ዘለዋ ሃፍቲ ኣብ ረብሓ ምውዓል ከምዝግባእ ብተግባር ዘርኣየን መሰረታዊ ተረባሕነት ዘረጋገፀን ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።
ዞባዊ ምትእስሳር ንምፍጣርን ሕውነት ንምጥንኻርን ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዘበርክት እውን ኣፅንኦት ሂቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም