መበል 39 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ካብ 14 ክሳብ 15 የካቲት 2018 ዓ/ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ እዩ

ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 17/2018 (ኢዜኣ) መበል 39 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ካብ 14 ክሳብ 15 የካቲት 2018 ዓ/ም ኣብ ዋና መቐመጢ እቲ ሕብረት ኣዲስ ኣበባ ክካየድ እዩ።
“ዘላቒ ቀረብ ማይን ምርግጋፅ ድሕንነቱ ዝተሓለወ ስርዓታት ኣተሓላልዋ ፅሬትን፤ ንዕዉትነት ሽቶ ኣጀንዳ 2063”መሪሕ ሓሳብ ሕብረት ኣፍሪካ 2026 እዩ።



እቲ መሪሕ ሓሳብ ዘዳለዎ ኣብ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ኮሚሽን ግብርና፣ልምዓት ገጠር፣ብሉ ኢኮኖምን ዘላቒ ከባብያዊ ኣየርን እዩ።
ዋና መልእኽቲ ናይዚ ዓመት መሪሕ ሓሳብ ኣብ ድሕንነትን ኣተሓላልዋ ፅሬትን ማይ ኣፍሪካ ትኹረት ዝገበረ እዩ።
እቲ መሪሕ ሓሳብ ምስ ኣጀንዳ 2063 ዝተኣሳሰረ ከምዝኾነ ሓበሬታ ሕብረት ኣፍሪካ የመላኽት።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም