ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ንህዝቢ ብጥሜት ብምቕፃዕ ንመሳርሒ ፖለቲካ ናይ ምጥቃም ተግባሩ ዳግማይ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ እናውዓሎ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ንህዝቢ ብጥሜት ብምቕፃዕ ንመሳርሒ ፖለቲካ ናይ ምጥቃም ተግባሩ ዳግማይ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ እናውዓሎ እዩ
ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 16/2018(ኢዜኣ) ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ንህዝቢ ብጥሜት ብምቕፃዕ ንመሳርሒ ፖለቲካ ናይ ምጥቃም ተግባሩ ዳግማይ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ እናውዓሎ ከምዝርከብ ኮሚሽነር ኮሚሽን ኣመራርሓ ስግኣት ሓደጋ ኢትዮጵያ ሽፈራው ተክለማርያም(ዶ/ር) ገሊፆም።
ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት መንግሥቲ ፌዴራል ኣብ ክልል ትግራይ ንማእኸላት መዕቖብን መርሃ ግብሪ ልምዓታዊ ሴፍቲኔትን ዘቕርቦ ሰብኣዊ ደገፍ ነቲ ዝተደለየ ዕላማ ንከይውዕል እናገበረ ከምዝርከብ እውን ኣብዚ ሰሙን ኣብ ማእኸል መዕቖቢ ሕፃፅ ዝገበሮ ስራሕ መረዳእታ ከምዝኾነ ሓቢሮም።
ኮሚሽነር ሽፈራው ተክለማርያም (ዶ/ር) ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት መሰረታዊ ድሌታትን ሰብኣዊ ቅልውላዋትን ህዝቢ ትግራይ ንፖለቲካዊ ዕላማ ናይ ምጥቃም ልምዱ ሓዱሽ ፍፃመ ዘይኮነስ ነባር ታሪኹን መግለፂኡን እዩ።
ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ትኹረት ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ንምስሓብ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ማእኸላት መዕቖቢ ንዝርከቡ ወገናት ዝቐርብ ሰብኣዊ ደገፍ ብምምንጣል ድራማዊ ፕሮፖጋንዳ እናገበረ ከምዝኾነ ኣረዲኦም።
ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ እውን መንግሥቲ ፌዴራል ብግልፂ ሓበሬታን መረዳእታን ዝልእኾ ሰብኣዊ ደገፍ ናበይ ከምዝኣተወ ክሓትት ከምዘለዎን ብድራማዊ ፕሮፖጋንዳ እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ክታለል ከምዘይብሉን ተዛሪቦም።
ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ሰብኣዊ ደገፍ ንፖለቲካዊ ዕላማ ንምውዓል ዝገብሮ ፅዕሪ ኩሉ ክርድኦ ከምዝግባእ እውን ገሊፆም።
መንግሥቲ ፌዴራል እውን ኣብ ክልል ትግራይ ዘተኣማምንን ቀፃልነት ዘለዎን ሰብኣዊ ደገፍ ተበፃሒ እናገበረ ከምዝርከብ ኣብሪሆም።
ስለዝኾነ ድማ ኣብ ክልል ትግራይ ካብ ዝሓለፈ ጥሪ 2017 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ ወርሒ ታሕሳስ 2018 ዓ/ም ክልተ ሚልዮን ኩንታል ብገንዘብ እንትስላሕ 32 ቢልዮን ብር ዝግመት ሰብኣዊ ደገፍ ከምዝተኸፋፈለ ኣፍሊጦም።
እዚ ድማ መንግሥቲ ፌዴራል ዜጋታት ሰብኣዊ ጉድኣት ንከይበፅሖም ዘለዎ ጠንካራ ቅዋም ብተግባር ዘረጋግፅ እዩ ኢሎም።
ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ክልል ትግራይ እቲ ሰብኣዊ ደገፍ ተበፃሒ ንከይኸውን ብምትዕንቓፍን እቲ ደገፍ ካብቶም ዝተፀገሙ ወገናት ብምምንጣልን ፀላኢ ህዝቢ ምዃኑ እናረጋገፀ ከምዝርከብ እውን ተዛሪቦም።
እቲ ጉጅለ እዚ ከይኣኸሎ ንሕድ ሕድ ደገፍ ዝደሊ ዜጋ ካብ ዝወሃብ ብፅሒት መዋጮ ከምዝእክብ እውን ሓቢሮም።
ዘይሕጋዊ ጉጅለ ብሽም ሰብኣዊ ደገፍ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዝፍፅሞ መሰከፊ ፍፃመ ንታሪኻዊ ፅላእቲ ኢትዮጵያ ዘለዎ ፀግዒ ተለኣኣኽነት ብተግባር ዘረጋገፀ ከምዝኾነ እውን ገሊፆም።
ብካሊእ መዳይ ድማ እቲ ኮሚሽን ፃውዒት ደገፍ ኣብ ዘየቕረበሉ ኩነታት ብኣማራፅታት ማሕበራዊ ሚድያ ብጉጅለን ብውልቀን ዝግበሩ ወፍርታት ምእካብ ደገፍ ስርዓት ኣሰራርሓ ዝጠሓሱ ዘይሕጋዊ ኣካይዳታት ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።
ስለዝኾነ ድማ ዝተፈላለዩ ኣማራፅታት ማሕበራዊ ሚድያ ብምጥቃም ሰብኣዊ ደገፍ ብምትእኽኻብ ንዘይተደለየ ዕላማ ዘውዕሉ ዘለዉ ኣካላት ካብ ስርሖም ንክቑጠቡ ኣተሓሳሲቦም።