ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2025 ኩለ መዳያዊ ልምዓትን ዕቤትን ሃገር ንምዕዋት ጠንካራ መሰረት ኣንቢሩ እዩ

መቐለ/ታሕሳስ 16/2018(ኢዜኣ) ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2025 ኩለ መዳያዊ ልምዓትን ዕቤትን ሃገር ንምዕዋት ጠንካራ መሰረት ዘንበረ ከምዝኾነ ሙሁራን እቲ ዓውዲ ተዛሪቦም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ትግበራ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2025 ብዓወት ምዝዛሙን ትግበራ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ምጅማሩን ዕላዊ ምግባሮም ዝፍለጥ እዩ።
ኣብዚ ጉዳይ ዝምልከት ኢዜኣ ዘዘራረቦም ኣብ ክልል ትግራይ ዝሰርሑ ሰብ ሞያ እቲ ዓውዲ፤ ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2025 ኩለ መዳያዊ ልምዓትን ዕቤትን ሃገር ንምዕዋት ጠንካራ መሰረት ዘንበረ እዩ ኢሎም።
ላዕለዋይ በዓል ሞያን ተመራማርን ስግግር ቴክኖሎጂ ዝኾኑ ኢንጂነር ፍሰሃ ነጋ፤ ኣፈፃፅማን ዝተረኸበሉ ውፅኢትን ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2025 ዝነኣድ እዩ ኢሎም።
ካብዚ ብምብጋስ እውን ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ተግባራዊ ምግባርን ምዕዋትን ከምዝከኣል ብምግላፅ፤ ምስፋሕ ዲጅታል ኣገልግሎት ኩለ መዳያዊ ሃገራዊ ረብሓ ከምዘለዎ ሓቢሮም።
ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ በዓልቲ ሞያ ኣይሲቲ መንእሰይ ራሄል ገብረ ፃድቕ ብግደኣ፤ ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2025 ኩነታት መነባብሮ ዜጋታት ብቕልጡፍ ዝቐየረን ዓብይ ዓወት ዝተመዝገበሉን ከምዝኾነ ገሊፃ።
ዲጂታል ኣገልግሎት ካብ ፅሬትን ቅልጣፈን ኣገልግሎት ብተወሳኺ ምንግልታዕ ተገልገልቲ ዘትርፍን ስርቂ ሃፍቲ ሃገር ዘድሕንን እዩ ኢላ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣኽሱም በዓል ሞያ ትሕዝቶታት ልምዓት ዳንኤል ገብረመስቀል፤ ሃፍቲ መሬት ሓዊሱ ሃፍቲ ሃገር ንምቁፅፃርን ስርቂ ንምክልኻልን ስርዓት ዲጂታል ኣሰራርሓ ዝለዓለ እጃም ከምዘለዎ ኣረዲኦም።
ኣገልግሎት ዲጂታላይዜሽን ቅልጣፈ፣ቁፅፅርን ተሓታትነትን ኣሰራርሓ ጋህዲ ብምግባር ንዜጋታት ቅልጡፍን ፍትሓውን ኣገልግሎት ንምሃብ ዘኽእል ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ቁልፊ ትልምታት ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ ተበፃሕነት ምስፋሕ፣ንዜጋተት ማዕረ ዕድል ምፍጣር ከምኡ እውን ኣብ መንጎ ዜጋታትን ትካላትን ምትእምማን ምጥንኻር ከምዝኾነ ዝፍለጥ እዩ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም