ትግበራ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2025 ኣብ ኣወሃህባ ኣገልግሎትን መነባብሮ ዜጋታትን መሰረታዊ ለውጢ ዘምፀአ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ትግበራ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2025 ኣብ ኣወሃህባ ኣገልግሎትን መነባብሮ ዜጋታትን መሰረታዊ ለውጢ ዘምፀአ እዩ
ኣርባ ምንጭ/ታሕሳስ 16/2018 (ኢዜኣ) ትግበራ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2025 ኣብ ኣወሃህባ ኣገልግሎትን መነባብሮ ዜጋታትን መሰረታዊ ለውጢ ዘምፀአ ከምዝኾነ ኣብ የኒቨርሲቲ ኣርባ ምንጭ ሙሁራን እቲ ዓውዲ ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ትግበራ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2025 ብዓወት ምዝዛሙን ትግበራ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ምጅማሩን ዕላዊ ምግባሮም ዝፍለጥ እዩ።
ኣብዚ ጉዳይ ዝምልከት ኢዜኣ ዘዘራረቦም ሙሁራን እቲ ዓውዲ ዩኒቨርሲቲ ኣርባ ምንጭ፤ ትግበራ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2025 ኣብ ኣወሃህባ ኣገልግሎትን መነባብሮ ዜጋታትን መሰረታዊ ለውጢ ዘምፀአ እዩ ኢሎም።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣርባ ምንጭ መምህር ክፍሊ ትምህርቲ ኮምፒቲንግን ሶፍትዌርን ምህንድስናን ዳይሬክተር ክፍሊ ምምሕዳር ትምህርቲ ኤሌክትሮኒክን መሐመድ ኣበበ (ዶ/ር)፤ ዓወት ዲጂታል ኢትዮጵያ 2025 ኣብ መነባብሮ ዜጋታት ብተግባር ዝተርኣየ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
እታ ሃገር ናብ ዲጂታል ኢኮኖሚ ካብ ዘሰጋገሩ ቀንዲ ተግባራት እቲ ሓደ ስርዓት ዕድጊት ዲጂታላይዝድ ምዃኑ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ዕድጊት መንግሥቲ እውን መብዛሕቲኡ ዲጂታል ብምዃኑ ብዙሓት ዝተሓላለኹ ፀገማት ከምዝፈትሐ ኣብራህሪሆም።
ብሓፈሻ ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2025 ዝረአ ለውጥን ዝቑፀር ውፅኢትን ዝተረኸበሉ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ብዝለዓለ ዓወት ንምስላጥ ፃዕሪ ኩላትና ከምዘድሊ ሓቢሮም።
ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ዳይሬክተርን መምህርን ኮሙኒኬሽን ሓበሬታ ኢያሱ ዲላ (ዶ/ር) ብግደኦም፤ ዕዉትነት ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2025 መንግሥቲ ቆራፅ ቅዋም ሒዙ ብምስርሑ ዝተረኸበ እዩ ኢሎም።
ብቴክኖሎጂ ተደጊፉ ዝተጀመረ ሓደ ማእኸል ኣገልግሎት መሶብ ብርክት ዝበሉ ኣገልግሎታት ኣብ ሓደ ማእኸል ምርካብ ዘኽኣለ ዘበናዊ ኣሰራርሓ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ስልጠና ኮደርስ፣ኣገልግሎታት ባንኪ፣ክፍሊት ግብርን ካልኦት መንግስታዊ ኣገልግሎታትን መርኣያ ዓወት ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2025 ከምዝኾኑ ኣረዲኦም።