ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ትማሊ፣ሎምን ፅባሕን ዘተኣሳስር መሳርሒ መህነፂ ሓባራዊ ተረኽ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ትማሊ፣ሎምን ፅባሕን ዘተኣሳስር መሳርሒ መህነፂ ሓባራዊ ተረኽ እዩ
ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 16/2018(ኢዜኣ) ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ትማሊ፣ሎምን ፅባሕን ዘተኣሳስር መሳርሒ መህነፂ ሓባራዊ ተረኽ እዩ ክብሉ ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ሰላም ከይረዲን ተዘራ (ዶ/ር) ገሊፆም።
“ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ንምንስርራእ ኢትዮጵያ”ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ዘዳለዎ መድረኽ ዘተ’ምእንተ ኢትዮጵያ’ እቲ ግድብ ኣብ ዝርከበሉ ጉባ ይካየድ ኣሎ።
ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ሰላም ከይረዲን ተዘራ (ዶ/ር) ከምዝበልዎ፤ ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ኢትዮጵያውያን ብሓባር ተረባሪቦም ህንፀቱ ጋህዲ ዝገበርዎ እዩ።
እንተተደሚርና እንታይ ዝኣክል ዕዉታት ምዃን ከምዝከኣል እቲ ግድብ ታሪኻዊ መርኣያ እዩ ዝበሉ እቶም ሚኒስትር ዲኤታ፤ ሕብረ ብሄራዊ ሓድነት ብዝበለፀ ንክጠናኸር ኣወንታዊ ኣስተዋፅኦ ዘበርከተ እዩ ኢሎም።
እቲ ግድብ ሓባራዊ ሕልምን ተስፋን ጋህዲ ዝገበረ ዓብይ ፕሮጀክት ከምዝኾነ ብምሕባር፤ እቲ ግድብ ትማሊ፣ሎምን ፅባሕን ዘተኣሳሰረ ዓብይ መሳርሒ መህነፂ ሓባራዊ ተረኽ ከምዝኾነ ኣረዲኦም።
ኢትዮጵያ እቲ ግድብ ብባዕላዊ ዓቕሚ ብምህናፅ ንኣፍሪካውያን ብመንፈስ ይከኣል እዩ ዳግማይ ንዓብይ ዓወት ከምዘለዓዓለት እውን ተዛሪቦም።