ኢትዮጵያ ኣብ ዕዳጋ ፍርያት ዘለዋ ልምዲ ንሃገራት ኣፍሪካ ብምክፋል ኣህጉራዊ እጃማ እናተዋፅአት እያ

ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 16/2018(ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ኣብ ስርዓት ኣሰራርሓ ዕዳጋ ፍርያት ዘኻዕበተቶ ልምዲ ንሃገራት ኣፍሪካ ብምክፋል ኣህጉራዊ እጃማ እናተዋፅአት ከምዝኾነት ዋና ፈፃሚ ስራሕ ዕዳጋ ፍርያት ኢትዮጵያ መርጊያ ባይሳ ገሊፆም።
ዋና ፈፃሚ ስራሕ ዕዳጋ ፍርያት ኢትዮጵያ መርጊያ ባይሳ ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ ትካላዊ ስርዓት ኣሰራርሓ ምምሕያሽ ኣገልግሎታት ዕዳጋ ፍርያት እናማዕበለ እዩ ዝርከብ።
ዕዳጋ ፍርያት ኢትዮጵያ ዝፈጠሮ ወሳኒ ዓቕሚ ሃገራት ኣፍሪካ ልምድን ተሞኩሮን ዝቐስማሉ ግንባር ቀደም ኣህጉራዊ ትካል ምዃን ከምዘኽኣሎ ተዛሪቦም።
እቲ ትካል ፅሬት ቀንዲ መለክዒ ዕድጊት ኣብ ምግባር ዓብይ ውፅኢት ከምዘመዝገበ እውን ኣብራህሪሆም።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ን28 ዓይነታት ፍርያት ዝርዝር መለክዒ ፅሬት ወፂእሎም ዕድጊት እናተሳለጠ ከምዝኾነ እውን ኣረዲኦም።
ኣብቲ ዓውዲ ዘሎ ሕፅረት በዓል ሞያ ንምምላእ ኣካዳሚ ዕዳጋ ፍርያት ኢትዮጵያ ተጣይሹ ሰፋሕቲ ስልጠናታት እናሃበ ከምዝርከብ ኣፍሊጦም።
ዕዳጋ ፍርያት ኢትዮጵያ ዝኽተሎ ዝተዋደደ ሞዴል ኣሰራርሓ ንካልኦት ሃገራት መርኣያ እናኾነ ከምዝርከብ እቶም ዋና ፈፃሚ ስራሕ ገሊፆም።
ነዚ ስዒቡ ድማ ታንዛኒያ፣ኣንጎላን ጋናን ስርዓት ሞዴል ቢዝነስን ቁፅፅር ፅሬትን ኢትዮጵያ መበገሲ ብምግባር ናይ ባዕለን ዕዳጋ ፍርያት ምምስራተን ሓቢሮም።
ኣብ ቀረባ እዋን እውን ካብ ታንዛኒያን ኬንያን ዝመፁ ሰብ ሞያ ኣብ ኢትዮጵያ ስልጠና ዝወሰዱ እንትኸውን፤ ሰብ ሞያ ኢትዮጵያ እውን ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ብምኻድ ደገፍን ስልጠናን እናሃቡ ከምዝርከቡ ተዛሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም