ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ተራእዩ ዘይፈልጥ ዝነኣድ ታሪኻዊ ስምምዕ እዩ-ስዩም ዮሃንስ - ኢዜአ ትግርኛ
ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ተራእዩ ዘይፈልጥ ዝነኣድ ታሪኻዊ ስምምዕ እዩ-ስዩም ዮሃንስ
ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 15/2018 (ኢዜኣ) ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ተራእዩ ዘይፈልጥ ዝነኣድ ታሪኻዊ ስምምዕ እዩ ክብሉ ፖለቲከኛ ኣይተ ስዩም ዮሃንስ ገሊፆም።
ኣይተ ስዩም ዮሃንስ ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፤ ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ኩሎም ኵናታት ወይ ድማ ኣፈለላያት ሓሳብ ብሓይሊ እናተፈትሑ እዮም መፂኦም ኢሎም።
እቲ ናይ ለውጢ መንግስቲ ግና ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ተራእዩ ዘይፈልጥ ዝናኣድ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ብምፍራም ንሰላም ዘለዎ ቆራፅነት ብተግባር ከምዘርኣየ ብምግላፅ፤ እዚ ድማ ኣዝዩ ዝነኣድን ኣብ ኢትዮጵያ ሓዱሽ ምዕራፍን ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ሃገርና ሒዛቶ ንዘላ ጎደና ዕቤት ፅኑዕን ቅልጡፍን ንምግባር ሰላም ኣዝዩ ኣድላይ እዩ ኢሎም።
ካብ ቀንዲ ስምምዓት ፕሪቶሪያ ዕጥቂ ምፍታሕን ተመዛበልቲ ናብ መንበሪኦም ምምላስን ከምዝኾኑ ብምግላፅ፤ ብሰንኪ ሰላም ዘይደሊ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ክሳብ ሕዚ ተግባራዊ ክግበር ኣይከኣለን ክብሉ እውን ሓቢሮም።
ኩሎም ዝተወደቡን ዘይተወደቡን ልሂቃን ትግራይ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ተግባራዊ ንክግበር እጃሞም ከበርክቱ ከምዘለዎምን ኣብ ህንፀት ሃገረ መንግስቲ ክሳተፉ ከምዝግባእን ተዛሪቦም።
ብኵናት ዝዕወት ሓሳብን ዕላማን የለን ዝበሉ ኣይተ ስዩም፤ ኣብ ትግራይ ይኹን ኣብ ሃገርና ኢትዮጵያ ንዘለዉ መሰረታዊ ኣፈላላይ ሓሳባት ዘላቒ መፍትሒ ንምምፃእ ምስ ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ምስራሕን ምዝታይን ከምዝግባእ ኣረዲኦም።
ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ሒዝዎ ዝመፀ ታሪኻዊ ዕድል ከምልጠና ከምዘይግባእ እውን ሓቢሮም።
ሰላም ድምር ውፅኢት ሓሳብ፣ተግባርን ቋንቋን እዩ ክብሉ እውን ኣረዲኦም።