መንግሥቲ ኣብ ግዝያዊ መዕቖቢ ንዝርከቡ ዜጋታት ቀዳምነት ትኹረት ብምግባር ሰብኣዊ ደገፍ ምግቢ እናቕረበ እዩ ዝርከብ-ኮሚሽን ኣመራርሓ ስግኣት ሓደጋ ኢትዮጵያ

ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 15/2018 (ኢዜኣ) መንግሥቲ ኣብ ግዝያዊ መዕቖቢ ንዝርከቡ ዜጋታት ቀዳምነት ትኹረት ብምግባር ሰብኣዊ ደገፍ ምግቢ እናቕረበ ከምዝርከብ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስግኣት ሓደጋ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
ኣብ ክልል ትግራይ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ወረዳ ኣስገደ ኣብ ግዝያዊ መዕቖቢ ሕፃፅ ንዝርከቡ ተመዛበልቲ እውን ዝተማልአን ዘይተቖራረፀን ሰብኣዊ ደገፍ ምግቢ እናተገበረሎም ከምዝርከብ እቲ ኮሚሽን ገሊፁ።
ንተመዛበልቲ ደገፍ እናተገበረሎም ኣይኮነን ዝብል ሓበሬታ እውን ዝተሰሓሓተ ከምዝኾነ ሓቢሩ።
ኮሚሽን ኣመራርሓ ስግኣት ሓደጋ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ወረዳ ኣስገደ ኣብ ግዝያዊ መዕቖቢ ሕፃፅ ንዝርከቡ ተመዛበልቲ ዝግበር ሰብኣዊ ደገፍ ኣመልኪቱ መግለፂ ሂቡ።



እቲ ኮሚሽን፤ መንግሥቲ ኣብ ግዝያዊ ምዕቖቢ ዝርከቡ ዜጋታት ቀዳምነት ትኹረት ብምግባር ሰብኣዊ ደገፍ ምግቢ እናቕረበ ከምዝርከብ ሓቢሩ።
ይኹን እምበር ብዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ሚድያታት ኣብ ግዝያዊ መዕቖቢ ሕፃፅ ዝርከቡ ዜጋታትና ሰብኣዊ ደገፍ ከምዘይበፅሖም ዝገልፅ ዝተሰሓሓተ ሓበሬታን ንሓፈሻዊ ኩነታት እቲ መዕቖቢ ተመዛበልቲ ዘይገልፅን ኮይኑ ከምዝረኸቦ ኣፍሊጡ
ሰብኣዊ ደገፍ ብዝምልከት ብስሩዕ ዓመት ሙሉእ ደገፍ ንዘድልዮም ምግቢ ከይተቖራረፀ እናተውሃበ ከምዝርከብ ፀሪሑ።
ኣብ ግዝያዊ መዕቖቢ ሕፃፅ ንዝርከቡ ዜጋታት እውን ዓመት ሙሉእ ተመሳሳሊ ደገፍ እናተገበረሎም ከምዝነበረን ካብ ወርሒ መስከረም 2018 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ ታሕሳስ 2018 ዓ/ም ዝተማልአን ዘይተቖራረፀን ሰብኣዊ ደገፍ ምግቢ እናተገበረሎም ከምዝርከብን እቲ መግለፂ ኣረዲኡ።
ኣብ ወረዳ ኣስገደ ግዝያዊ መዕቖቢ ሕፃፅ ኣብ ዝሓለፉ 4 ኣዋርሕ ን14 ሽሕን 413 ዜጋታት ደገፍ እናተገበረ ከምዝፀንሐ ገሊፁ።
ብተወሳኺ እውን ኣብ ጎረቤት መዕቖቢ ማእኸላት ዝርከቡ ዜጋታት ሓዊሱ ኣብ ወርሒ መስከረም 16 ሽሕን 775፣ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 18 ሽሕን 290፣ኣብ ወርሒ ሕዳር 17 ሽሕን 813 ከምኡ እውን ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ን14 ሽሕን 413 ዜጋታት ዘድሊ መግቢ ከምዝተኸፋፈለ ኣፍሊጡ።
ብሓፈሻ 11 ሽሕን 406 ኩንታል ምግቢ(ስርናይ፣ምሸላ፣ጥራ ምረን ዘይቲ ምግብን) ኣብ ዝሓለፉ 4 ኣዋርሕ ንክበፅሖም ከምዝተገበረ እቲ ኮሚሽን ሓቢሩ
እቲ ደገፍ ብገንዘብ እንትስላሕ ልዕሊ 257 ሚልዮን ብር ከምዝኾነ እውን ገሊፁ።
ብካሊእ መዳይ ድማ ብግዝያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ዝተፈላለዩ ፀገማት ሰብኣዊ ደገፍ ከምዘለዉን ተወሳኺ ደገፍ ፌዴራል ከምዘድሊ ሕቶ እንተቐሪቡ እቲ ኮሚሽን ኣድላይ ደገፍ ምግባር ዘኽእል ደሉውነት ከምዘለዎን ኣመላኺቱ።
ንዝተመዛበለ ማሕበረሰብ ዝለኣኽ ደገፍ ነቲ ዝተሓሰበሉ ዕላማ ጥራሕ ምውዓሉ ኣብ ምርግጋፅ ዋላ ኳ ፀገማት እንተሃለዉ ንክማልኡ ናይ ምግባር ግና ሓላፍነት ግዝያዊ ምምሕዳር እቲ ክልልን እቲ ከባብን ከምዝኾነ እቲ ኮሚሽን ኣብ መግለፂኡ ኣፍሊጡ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም