ብመንግስቲ ኤርትራ ንዝበፅሐና ዘሎ ሰፊሕ ገበን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰልን ዘርኢ ምጥፋእን ዘቕረብናዮ ክሲ መልሲ እናተፀበና ኢና-ዲሞክራሲያዊ ትካል ቀይሕ ባሕሪ ዓፋር - ኢዜአ ትግርኛ
ብመንግስቲ ኤርትራ ንዝበፅሐና ዘሎ ሰፊሕ ገበን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰልን ዘርኢ ምጥፋእን ዘቕረብናዮ ክሲ መልሲ እናተፀበና ኢና-ዲሞክራሲያዊ ትካል ቀይሕ ባሕሪ ዓፋር
ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 15/2018(ኢዜኣ) ብመንግስቲ ኤርትራ ንዝበፅሐና ዘሎ ሰፊሕ ገበን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰልን ዘርኢ ምጥፋእን ንኮሚሽን ሰብኣዊ መሰልን መሰል ህዝብታትን ኣፍሪካ ንዘቕረብናዮ ክሲ መልሲ እናተፀበና ኢና ክብል ዲሞክራሲያዊ ትካል ቀይሕ ባሕሪ ዓፋር ገሊፁ።
ዲሞክራሲያዊ ትካል ቀይሕ ባሕሪ ዓፋር ብኣገዛዝኣ መንግስቲ ኤርትራ በፂሑና ንዝበሎ ሰፊሕ በደል ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰልን ወፍሪ ምጥፋእ ዘርእን ኣመልኪቱ ጋዜጣዊ መግለፂ ሂቡ።
ጋምቢያ(ባንጁል) ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰልን መሰል ህዝብታትን ኣፍሪካ ዲሞክራሲያዊ ትካል ቀይሕ ባሕሪ ዓፋር ንዘቕረቦ ክሲ መንግስቲ ኤርትራ መልሲ ንክህበሉ እቲ ክሲ ምልኣኹ እውን ንኢዱ።
ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ዝቐረቡ ርኡያት ክሲ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰል ተቐቢሉ ብቁፅሪ መዝገብ 868/25 ከምዝመዝገበ፣ፍረ ነገርን ትሕዝቶን እቲ ክሲ ተቐባልነት ዘለዎ ምዃኑ ኣፍልጦ ብምሃብ መንግስቲ ኤርትራ መልሲ ንክህበሉ እቲ ክሲ ከምዝለኣኾ እቲ ኮሚሽን ከምዘፍለጠ እውን ገሊፁ።
ኣቦ መንበር እቲ ትካል ኢብራሂም ሀሩን ኣብ መግለፂኦም ከምዝበልዎ፤ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ከባቢ ደናክል ኣብ ልዕሊ ህዝብታት ቀይሕ ባሕሪ ዓፋር ዝፍፅሞ ዘሎ ሰፊሕ፣ስልታውን፣መንግስታውን ቀፃልነት ዘለዎን ገበን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰልን ምጥፋእ ዘርእን ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናተበኣኣሰ መፂኡ እዩ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ይበፅሑ ኣለዉ ካብ ዝበልዎም በደላት ካብ ሕግን ፍርድን ወፃኢ መቕተልትን ዘርኢ ተኮር ጭፍጨፋን ምክያድ፣ብዘይ ፍርዲ ምእሳርን ምስቓይን፣ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ምስዋር፣ኣገዲድካ ወታደራዊ ምልመላ ምግባር ከምዝርከብዎም ከም ኣብነት ብምሕባር፤ ብፍላይ ድማ ንልዕሊ 300 ሽሕ ህዝቢ ቀይሕ ባሕሪ ዓፋር ምፍንቓልን ፆታዊ ጥቕዓትን መሳርሒ ዓፈና እቲ ኣገዛዝኣ ገይሩ እናተጠቐመሉ እዩ ዝርከብ ኢሎም።
ብተወሳኺ እውን ካብ ፖለቲካዊ ምምሕዳር እታ ሃገር ምግላል፣መንነትን ባህልን ህዝቢ ቀይሕ ባሕሪ ዓፋር ምጥፋእን ኢኮኖሚያዊ መሰላት ምጥሓስን እውን ከምዝርከብዎም ፀሪሖም።
ስለዝኾነ ድማ እቲ ትካል ንኮሚሽን ሰብኣዊ መሰልን መሰል ህዝብን ኣፍሪካ ካብ 1993 ጀሚሩ ብመንግስቲ ኤርትራ ንዝበፅሖም ዘሎ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ክሲ ምቕራቡ ገሊፆም።
ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ 4 ሰነ 2025 ብ122 ገፅ ዝተዋደደ ክሲ ከምዘእተዉ ብምግላፅ፤ እቲ ኮሚሽን መንግሥቲ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ 60 መዓልትታት ምላሽ ንክህብ እቲ ክሲ ከምዝለኣኸሉ ሓቢሮም።
እቲ ትካል፤ ህዝቢ ዓፋር ካብ ዝበፅሖ ዘሎ መከራ ንምድሓን፣ዓለም ለኸ መራኸብቲ ሓፋሽ ድምፂ ንክኾንዎ፣ኣህጉራውን ዓለም ለኻውን ትካላት ሰብኣዊ መሰላት፣ውድብ ሕቡራት መንግስትታት፣ሕብረት ኣፍሪካ ትኹረት ንክህቡናን ኣብ ልዕሊ መንግሥቲ ኢሳያስ ሕጋዊ፣ዲፕሎማሲያዊ፣ሰብኣውን ፖለቲካውን ስጉምቲ ንክወስዱ ከምኡ እውን ፅልዋ ንከሕድሩ ዝዓለመ እዩ ኢሎም።