ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ንኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ረብሓ ኣለዎ 

ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 15/2018(ኢዜኣ) ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ልውውጥ ንግድን ተበፃሕነት ኣገልግሎትን ብምስፋሕ ንኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ዘላቒ ረብሓ ከምዘለዎ ኣማኻሪት ዲጂታል ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ሚሪያም ዓሊ ገሊፀን።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ዕላዊ ምግባሮም ዝዝከር እዩ።
ኣማኻሪት ዲጂታል ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ሚሪያም ዓሊ ንስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 መብራህርሂ ኣመልኪተን መብራህርሂ ሂበን።
ኣብ መብራህሪህአን እውን ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ብዓርሳ እትተኣማመን ኢትዮጵያ፣ኣብ ኩሎም ክልላታ ብልፅግና ንምርግጋፅ ዘኽእል ቁልፊ ስትራቴጂ እዩ ኢለን።
እቲ ስትራቴጂ ንሕድ ሕድ ዜጋ ዘገልግል፣ኣገልግሎት ኣወሃህባ ዘማዕብል፣ኢኮኖሚ ዘዕብን ሕድ ሕድ ዜጋ መፃኢት ኢትዮጵያ ንምህናፅ እንታይ ተሳትፎ ክገብር ከምዝኽእል ዘርእን ከምዝኾነ እውን ተዛሪበን።
ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ዘድለየሉ ምኽንያት ሰብ ስራሕ ብልሒ ወይ ድማ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ብቕልጡፍ ምዕባዩ፣ድሌት ምርካብ ቅልጡፍን ዘተኣማምንን ኣገልግሎት ዜጋታትን ዓውዲ ንግዲ ብዝበለፀ ብዲጂታል ምድጋፍ ወሳኒ ስለዝኾነን እዩ ክብላ ሓቢረን።
ኢትዮጵያ ኣብ ዝጀመረቶ ዲጂታል ጉዕዞ ብቆራፅነት ተዘይቀፂላ ክፍፍል ዲጂታል እናሰፍሐ ከምዝመፅእ ብምሕባር፤ እቲ ስትራቴጂ ነዚ ክፍፍል ዘፅብብ ከምዝኾነ ኣረዲአን።
ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ሓቛፊ፣ልኣላውን ብግልፂ ዕላማ ዝምራሕን ከምዝኾነ እውን ወሲኸን ገሊፀን።
ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2025 መሰረት ዘንበረ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ብዝበለፀ እቲ ዓውዲ ከምዘስፍሖ ተዛሪበን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም