ኣብ ኢትዮጵያ ኣፈላላያት ብሃገር ቦቆል ፀጋታት ክፍትሑ ኣለዎም ዝብል ቅዋም ውፅኢት ኣተሓሳስባ መንግሥቲ መደመር እዩ

ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 14/2018 (ኢዜኣ) ኣብ ኢትዮጵያ ኣፈላላያት ብሃገር ቦቆል ፀጋታት ክፍትሑ ኣለዎም ዝብል ቅዋም ኣተሓሳስባ መንግሥቲ መደመር ውፅኢት እናተመዝገበሉ ከምዝኾነ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር መተሓባበሪ ማእኸል ስርዓት ህንፀት ዲሞክራሲ ቢቂላ ሁሪሳ (ዶ/ር) ገሊፆም።
ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር መተሓባበሪ ማእኸል ስርዓት ህንፀት ዲሞክራሲ ቢቂላ ሁሪሳ (ዶ/ር) ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ መንግሥቲ መደመር ሰላም ንምርግጋፅ ብሰላማዊ መንገዲ ጥራሕ ዝብል ግልፂ ቅዋም ኣለዎ።
ኢትዮጵያውያን ሰላም ዘምፅእሉ ጎንፅታት ብሰላማዊ መንገዲ ዝፈትሕሉ ዝፀንሐ ሃገር ቦቆል ፍልጠት፣ልምድን ፀጋን ኣለዎም ኢሎም።
ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ኩሎም ከባብታት ንህንፀት ሰላም መሰረት ዝኾኑ ባህላዊ ፀጋታት ከምዘለዉ ብምሕባር፤ ነዚ ድማ ማሕበራውን ፖለቲካውን ፀጋታት ክዓብዩ ከምዘለዎም ተዛሪቦም።
ስለዝኾነ ድማ መንግሥቲ መደመር ሃገር ቦቆል ፍልጠትን ነባራዊ ፀጋታትን ንህንፀት ሰላም ምውዓል ይግባእ ዝብል እምነት ከምዘለዎ ኣረዲኦም።
መንግሥቲ መደመር ንሰላም በርና ክፍቲ ኢድና ዝተዘርገሐ ክኸውን ኣለዎ ኢሉ ከምዝኣምን ብምግላፅ፤ መንገዲ ሰላም መሪፆም ንዘተ ንዝመፁ ኣካላት ብዙሕ ርሕቐት ተጓዒዙ ከምዝቕበል ሓቢሮም።
ብልኡኽቶ ባንዳን ፀላእን ሰላም ዜጋታት ንምዝራግ ፃዕሪ ምስ ዝገብሩ ኣካላት ኩሎም ዘላቒ ሰላም መፃኢ ወለዶ ብዘረጋግፅ መልክዑ ንምዝርራብ ኩሉ ግዜ ድሉው እዩ ኢሎም።
መንግሥቲ መደመር ካብቲ መሕበረሰብ ዝተቐድሐ ሃገር ቦቆል ፀጋ ናብ ፖሊሲን ስትራቴጂን ብምቕያር ዘላቒ ሰላም ምምፃእ ዝከኣል ብሰላማዊ መንገዲ ጥራሕ እዩ ዝብል ቅዋም ከምዝሓዘ እውን ኣረዲኦም።
ስለዝኾነ ድማ ብሰላማዊ ምገዲ ዝሰልጠነ ልዕልና ሓሳብ ተግባራዊ ብምግባር ዘላቒ ሰላም ምምፃእ ዘኽእል ውፅኢት እናተመዝገበ ከምዝኾነ ገሊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም