ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ኬንያ ዊልያም ሳሞይ ሩቶ ዘትዮም

ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 14/2018(ኢዜኣ) ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ኬንያ ዊልያም ሳሞይ ሩቶ ሎሚ መዓልቲ ዘትዮም።
ቀዳማይ ሚኒስትር አቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ሎሚ መዓልቲ ንፃንሒት ሓደ መዓልቲ ፕሬዚዳንት ኬንያ ዊልያም ሳሞይ ሩቶ ተቐቢለ ኢሎም።
እቲ ዑደት ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራትና ዘሎ ዕሙቕ፣ታሪኻውን ሕውነታውን ርክብ ዘንፀባርቕ እዩ ክብሉ እውን ሓቢሮም።



ኣብ ዘተና፤ ክልቲኣዊ ርክብና ኣብ ነጠናኽረሉ ኩነታት ከምኡ እውን ኣብ ጉዳያት ሰላምን ፀጥታን ምብራቕ ኣፍሪካ ሓሳብ ዝተለዋወጥና እንትኸውን እዚ ድማ ኣብ ሰላምን ምርግጋዕን፣ዝርርብ ከምኡ እውን ኣብ ኣፍሪካ መሪሕ መፍትሕታት ዘለና ሓባራዊ ቅዋም ዘርኢ እዩ ክብሉ ገሊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም