ቅድሚ ሕዚ ሰላም ብመስዋእቲ ጥራሕ ከምዝመፅእ፣ብመቑሰልቲ ጥራሕ ከምዝመፅእ፣ወለዶ መስዋእቲ እናበልና ኢና መፂእና፤ ድሕሪ ሕዚ ግና ሰላም ብዘተን ልዝብን ከምዝረጋገፅ ኣሚንና ንሰላም ክንሰርሕ ኣለና-ጋዜጠኛ ዳሞራ ያሕያ

ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 14/2018 (ኢዜኣ) ቅድሚ ሕዚ ሰላም ብመስዋእቲ ጥራሕ ከምዝመፅእ፣ብመቑሰልቲ ጥራሕ ከምዝመፅእ፣ወለዶ መስዋእቲ እናበልና ኢና መፂእና፤ ድሕሪ ሕዚ ግና ሰላም ብዘተን ልዝብን ከምዝረጋገፅ ኣሚንና ንሰላም ክንሰርሕ ኣለና ክብል ጋዜጠኛ ዳሞራ ያሕያ ተዛሪቡ።
ጋዜጠኛ ዳሞራ ያሕያ ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝገበሮ ፃንሒት ከምዝበሎ፤ ብዛዕባ ሕሉፍ ፀልማት እናቖዘምና ካብ ምንባር ተላቒቕና ኣብ ቀፃሊ ብርሃን ክንሓስብ ይግባእ።
ቅድሚ ሕዚ ሰላም ብመስዋእቲ ጥራሕ ከምዝመፅእ፣ብመቑሰልቲ ጥራሕ ከምዝመፅእ፣ወለዶ መስዋእቲ እናበልና ኢና መፂእና ዝበለ ጋዜጠኛ ዳሞራ፤ ድሕሪ ሕዚ ግና ሰላም ብዘተን ልዝብን ከምዝረጋገፅ ኣሚንና ንሰላም ክንሰርሕ ኣለና ኢሉ።
ድሕሪ ሕዚ ታሪኽና ቀይርና ብሰላምን ዘተን ጅግንነት እንፈጥር ተጋሩ ምዃንና ክነረጋግፅ ይግባእ፤ እዚ ድማ ኣብ ኩሎም መድረኻት ክዝረብ ኣለዎ ክብል ኣረዲኡ።
ሰላም ንኹሉ ፍጡር ኣዝዩ ኣገዳሲ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ኣብ ፀገም ዝወደቐ ህዝብና ንምሕጋዝ እውን ሰላም ክህሉ ከምዘለዎ ተዛሪቡ።
ኣፈላላይ ሓሳብ ኩሉ ግዜ ዘሎ እዩ ፀጋ እውን እዩ፤ ነዚ ክኣምን ዝኽእል ማሕበረሰብ ኣብ ምፍጣር እዩ ዘሎ እቲ ፀገም ኢሉ።
ስለዝኾነ ድማ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ኣፈላላይ ሓሳብ ክፍጠር ይኽእል እዩ ዝበለ እቲ ጋዜጠኛ፤ ኣብ ትግራይ ይኹን ኢትዮጵያ ዘለዉ ኣፋላላያት ሓሳብ እውን ብዘተን ልዝብን ክፍትሑ ይግባእ ኢሉ።
ህዝቢ ትግራይ ብስሩዕ መንግስቲ ወይ ድማ ብዝተመረፀ መንግስቲ ንክምራሕ ምችው ኩነታት ክፍጠር ከምዘለዎ እውን ተዛሪቡ።
ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ስዒቡ መንግሥቲ ፌዴራል ዝገበሮም ብዙሓት ኣወንታዊ ስራሕቲ ከምዘለዉ ብምሕባርን ብምንኣድን፤ እቶም ዝተረፉ ስራሕቲ እውን ብዘተን ሰላምን ክፍትሑ ኣለዎም ክብል መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።
ብወገን ትግራይ ምስ ሻዕብያ ዝግበሩ ርክባት ንህዝቢ ትግራይ ይኹን ህዝቢ ኢትዮጵያ ስለዘይጠቕሙ ክቋረፁን ክኹነኑን ከምዝግባእ እውን ገሊፁ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም