ኣብ ትግራይ ንዝኾነ ኣፈላላይ ወይ ድማ ፀገም ብሰላማውን ልዝብን ክፍታሕ ኣለዎ ዝብል ኣተሓሳስባ ክፍጠር ኣለዎ-ጀነራል ሳሞራ ዮኑስ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ትግራይ ንዝኾነ ኣፈላላይ ወይ ድማ ፀገም ብሰላማውን ልዝብን ክፍታሕ ኣለዎ ዝብል ኣተሓሳስባ ክፍጠር ኣለዎ-ጀነራል ሳሞራ ዮኑስ
ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 13/2018(ኢዜኣ) ኣብ ትግራይ ንዝኾነ ኣፈላላይ ወይ ድማ ፀገም ብሰላማውን ልዝብን ክፍታሕ ኣለዎ ዝብል ኣተሓሳስባ ክፍጠር ኣለዎ ክብሉ ነበር ኢታማዦር ሹም ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ ጀነራል ሳሞራ ዮኑስ ገሊፆም።
ጀነራል ሳሞራ ዮኑስ ትማሊ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ መድረኽ ዘተ ሰላም ተጋሩ ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ተረኺቦም ኣብ ዝሃብዎ ርኢቶ፤ ኣብ ትግራይ ዝኾነ ፖለቲካዊ ኣፈላላይ እንትፍጠር ብሰላማውን ልዝብን ክፍታሕ ኣለዎ ዝብል ባህሊ ኣተሓሳስባ ክምዕብል ከምዘለዎ ሓቢሮም።
እዚ ድማ ብፍላይ ንመራሕቲ እዩ ዝምልከት ዝበሉ ጀነራል ሳሞራ፤ ዝኾነ ኣመራርሓ ዘላቒ ረብሓ ህዝቢ ማእኸል ዝገበረ ምንቅስቓስ ክገብር ከምዘለዎ ፀሪሖም።
ዘላቒ ረብሓ ዝኾነ ይኹን ህዝቢ ድማ ሰላም፣ ልምዓት፣ ማሕበራውን ኢኮኖሚያውን ዕቤት ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ እዚ ንምርግጋፅ እውን ዝኾነ ኣመራርሓ ንዝኾነ ዓይነት ኣፈላላይ ብዘተን ልዝብን ንምፍታሕ ክሰርሕ ከምዘለዎ ተዛሪቦም።
ብፈኸራ ዝመፅእ ለውጢ የለን ዝበሉ እቶም ጀነራል፤ ኣብ ኩላትና ለውጢ ሰላማዊ ኣተሓሳስባ ክፍጠር ኣለዎ ኢሎም።
ኣብ ትግራይ ምስ ናይ ደገ ሓይልታት ብፍላይ ድማ ምስ ሻዕብያ ዝግበር ዘይሕጋዊ ርክብ ስግኣት ኲናት ዝፈጥር እምበር ንህዝቢ ትግራይ ብዝኾነ ይኹን መለክዒ ኣይጠቕሞን ክብሉ እውን ኣፅንኦት ሂቦም።
ሻዕብያ ንህዝቢ ትግራይ ምስ ማእኸላይ መንግሥቲ ንምንፅፃል እዩ ዝሰርሕ ዘሎ፤ ስለዝኾነ ድማ ምእንተ ዘላቒ ሰላም እንትበሃል እዚ ዘይሕጋዊ ተግባር ክኹነን ኣለዎ ኢሎም።
ህዝቢ ትግራይ እውን ኲናት ይኣኽለና እዩ ካብ ምባል ብተወሳኺ መናእሰይ ኣይንሰድድን፣እቶም ኣብ ሰራዊት ዘለዉ እውን ዕጥቆም ፈቲሖም ናብ ስሩዕ ሂወቶምን ልምዓቶምን ክምለሱ ኣለዎም ክብል ኣለዎ ክብሉ ገሊፆም።
እዚ እንትኸውን እዩ ዘላቒ ሰላም እንዳተረጋገፀ ዝኸይድ ክብሉ እውን መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።