ኣብ ክልል ትግራይ ሰላም ንምርግጋፅ ዝሳለጡ ስራሕቲ ንዘተዓናቕፉ ኣካላት እቲ ሕብረተሰብ ክቃለሶም ይግባእ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ክልል ትግራይ ሰላም ንምርግጋፅ ዝሳለጡ ስራሕቲ ንዘተዓናቕፉ ኣካላት እቲ ሕብረተሰብ ክቃለሶም ይግባእ
ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ/ 12/2018(ኢዜኣ) መንግሥቲ ፌዴራል ኣብ ክልል ትግራይ ሰላም ንምርግጋፅ ንዘሳልጦም ስራሕቲ ዘተዓናቕፉ ኣካላት እቲ ሕብረተሰብ ክቃለሶም ከምዝግባእ ፓርቲ ስምረት ገሊፁ።
ኣባል ቤት ምኽርን ዘፈር ሚድያን ኮሙኒኬሽንን ዲምክራሲያዊ ስምረት ትግራይ(ስምረት) ጠዓመ ዓረዶም ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ከምዝበልዎ፤ ኣብ ክልል ትግራይ ዘላቒ ሰላም ንከይረጋገፅን ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ተግባራዊ ንከይኸውንን ዕንቅፋት ንዝፈጥሩ ኣካላት ህዝቢ እቲ ክልል ብፅንዓት ክቃለሶም ይግባእ።
መንግሥቲ ፌዴራል ስምምዕ ፕሪቶሪያ ስዒቡ ኣብ ክልል ትግራይ ሰላም ንክዓስልን ልምዓት ንክመፅእን ብርክት ዝበሉ ውፅኢታዊ ስራሕቲ እናሳለጠ ከምዝርከብ ተዛሪቦም።
ብፍላይ ድማ ነቲ ክልል ኣድላይ በጀት ልምዓት ከምዝመደበ፣ ኣገልግሎታት ባንኪ፣ ጥዕናን ካልኦት ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ዳግማይ ንክጅምሩ ከምዝገበረ፣ህንፀት ዝዓነዉ መሰረተ ልምዓታት ከምዘሳለጠ ብምግላፅ፤ ተመዛበልቲ ናብ ስሩዕ መንበሪኦም ኣብ ምምላስ እውን መንግሥቲ ፌዴራል ንዘሳለጦም ስራሕቲ ንኢዶም።
ይኹን እምበር ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብቲ ክልል ዝንቀሳቐስ ጉጅለ መንግሥቲ ተመዛበልቲ ንምምላስን ሰላም ንምስፋንን ንዝገብሮ ፃዕሪ እናተዓናቐፈ ከምዝርከብ ኣረዲኦም።
እዚ ድማ ተጠቃምነት ህዝቢ እቲ ክልል ንድሕሪት ዝመልስ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ እቲ ሕብረተሰብ እዞም ዕንቅፋታት እዚኦም ብትግሃት ንክቃለስ ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ፓርቲ ስምረት ኣብ ቀፃሊ መበል 7ይ ሃገራዊ መረፃ ንምስታፍ ምድላው እናገበረ ከምዝኾነ ዝገለፁ ኣይተ ጠዓመ፤ ምልመላ ሕፁያትን ኣድለይቲ ከይድታት ቅድመ መረፃን እናተሳለጡ እዮም ኢሎም።
እቲ መረፃ ህዝቢ ትግራይ ኣብ መድረኽ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ግቡእ ውክልና ንክረክብ ከምዘኽእሎ እውን ገሊፆም።
መንግሥቲ ፌዴራል ኣብቲ ክልል ዘላቒ ሰላም ንምምፃእ ክሳብ ሕዚ ዘካየዶ ፃዕሪ ኣጠናኺሩ ንክቕፅለሉ ፃውዒት ኣቕሪቦም።