ኢትዮጵያ ንኹሎም ዓይነታት ፈተናታት ኩሉ ግዜ ድሉው ዝኾነ ሓይሊ ፀጥታ ሃኒፃ እያ-ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ

ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 12/2018(ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ንኹሎም ዓይነታት ፈተናታት ኩሉ ግዜ ድሉው ዝኾነ ሓይሊ ፀጥታ ከምዝሃነፀት ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።
ፖሊስ ኢትዮጵያ ኣብ ታሪኹ ንፈለማ እዋን ብዓቕሚ ኣካዳሚ ፖሊስ ዘሰልጠኖም ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ኮማንዶ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ማእኸል ስልጠና ኣዋሽ ኣመሪቑ።



ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ እቲ ናይ ለውጢ መንግስቲ ውፅኢታዊ ካብ ዝኾነሎም ስራሕቲ ሪፎርም እቲ ሓደ ኣብ ትካላት ፀጥታ ተግባራዊ ዝኾነ ሪፎርም እዩ።
እዚ ሪፎርም ትካላት ፀጥታ ንቑሕ፣ ብቑዕን ቴክኖሎጂ ዝተዓጠቑን ንክኾኑ ከምዘኽኣለ ሓቢሮም።
ብስልጠና ኣወዳድባን ዝሓሸ ከይዲ ተጓዒዝና ኢና ዝበሉ እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ኢትዮጵያ ንኹሎም ዓይነታት ፈተናታት ኩሉ ግዜ ድሉው ዝኾነ ሓይሊ ንክህልዋ ገይርና ኢና ኢሎም።



እቶም ሎሚ ዝተመረቑ ኮማንዶታት እውን መርኣያ እዚ ውፅኢት ከምዝኾኑ ፀሪሖም።
ብመሰረት እቲ ሪፎርም ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ነቲ ሕገ ምንግሥታዊ ስርዓት ሓላዊ ዝኾነ፣ ብሞይኡ ዝኾርዕ፣ ሕግታት ብኣግባቡ ተግባራዊ ብምግባር ብህዝቢ ፍቕርን እምነትን ዘለዎ ጠንካራን ብቴክኖሎጂ ዝተወደበን ትካል እናሃነፀ ከምዝርከብ ኣረዲኦም።
ኣካል ሪፎርም ፖሊስ ፌዴራል ዝኾነ ፍሉይ ፖሊስ ኮማንዶ ብባዕላዊ ዓቕሚ ኣሰልጢኑ ሎሚ መዓልቲ ምምራቑ እውን መርኣያ ዓቕሚ እቲ ትካል እዩ ኢሎም።
ኣብ ቀፃሊ ምስ ዕቤት ሃገርና ዝተጠዓዓመ ንልዕልና ኢትዮጵያ ዝምጥን ህንፀት ትካል ፖሊስ ተጠናኺሩ ንክቕፅል መንግሥቲ ኣድላይ ደገፍ ከምዝገብር ኣረጋጊፆም።
ናይ ሎሚ ተመረቕቲ ፍሉይ ፖሊስ ኮማንዶ መረጋገፂ ዝኾነ ሕገ መንግሥቲ ናይ ምኽባር ልዑል ሓላፍነት ኣለኩም ክብሉ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።
ብመደመር ዝምራሕ ፖሊስ ንህዝቢ የኽብር፣ የገልግል፣ ይሕልው፣ ንህዝቢ መስዋእቲ ይኸፍል ኢሎም።
ተመረቕቲ ፍሉይ ፖሊስ ኮማንዶ ዝቐሰምዎ ስልጠና ተግባርን ንድፈ ሓሳብን ብኣግባቡ ብምጥቃም ንህዝብን ሃገርን ብቕንዕና፣ ተኣማንነትን ጅግንነትን ንከገልግሉ እውን ኣተሓሳሲቦም። 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም