ቀንዲ ልኡኽቶ ትካላት ፌዴራል ኣተሓሳስባ መንግሥቲ መደመር ኣብ ትካሎም ተግባራዊ ምግባር እዩ-ተስፋዬ በልጅጌ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 9/2018(ኢዜኣ) ቀንዲ ልኡኽቶ ትካላት ፌዴራል ኣተሓሳስባ መንግሥቲ መደመር ኣብ ትካሎም ተግባራዊ ምግባር እዩ ክብሉ ኣባል ፈፃሚ ስራሕን ኣካቢ ዘፈር ፖለቲካ ኣወዳድባ ትካላት ፌዴራልን ፓርቲ ብልፅግና ተስፋዬ በልጅጌ(ዶ/ር) ገሊፆም።
ንኣመራርሓ ኣወዳድባ ፌዴራል ፓርቲ ብልፅግና ውሽጣዊ ስርዓት ፓርቲ ንምጥንኻር ዝዓለመ ስልጠና ተዋሂቡ።
ኣብቲ ስልጠና፤ ኣመራርሓ ትካላት ፌዴራል ብልፅግና፣ኣመራርሓ ክላስተራትን ወረዳታትን፣በቢብርኩ ዝርከቡ ኣመራርሓ ኢንስፔክሽንን ስነ ምግባርን ትካላት ፌዴራል ተሳቲፎም።



ኣባል ፈፃሚ ስራሕን ኣካቢ ዘፈር ፖለቲካ ኣወዳድባ ትካላት ፌዴራልን ፓርቲ ብልፅግና ተስፋዬ በልጅጌ(ዶ/ር) ኣብዚ እዋን፤ ቀንዲ ልኡኽቶ ትካላት ፌዴራል ኣተሓሳስባ መንግሥቲ መደመር ኣብ ትካሎም ተግባራዊ ምግባር እዩ ኢሎም።
እዚ ልኡኽቶኦም ኣብ ሽቶ ንከብፅሑ ኣብ መበል ካልኣይ ጉባኤ እቲ ፓርቲ ዝተቐመጡ ኣንፈታት መሰረት ብምግባር ኣወዳድባታት ኣብ ምጥንኻር፣ትካላዊ ኣሰራርሓ ኣብ ምዝርጋሕ፣ጠንካራ ኣመለኻኽታን ስነ ምግባርን ኣባላትን ኣመራርሓን ኣብ ምፍጣር ብትኹረት እናተሰርሐ ከምዝርከብ ሓቢሮም።
ኣብ ኣወዳድባ ትካላት ፌዴራል ብዋናነት ኣንፈታት ጉባኤን ግምገማን ኣፈፃፅማ ርብዒ ዓመትን ብሱፕቪዥን ዝተረኸቡ ውፅኢታትን መበገሲ ብምግባር ስራሕቲ ህንፀት ዓቕሚ እናተሳለጡ ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።
እቲ ሎሚ ንላዕለዎት ኣመራርሓ ዝተውሃበ ስልጠና እውን ምሕላም፣ምትላምን ምፍፃምን ዝኽእል ኣመራርሓ ምፍጣር ዘኽእል ከምዝኾነ ገሊፆም።
ውሽጣዊ ስርዓት ፓርቲ ብምርዳእ ልኡኽቶ ብውፅኢታውነት ንምፍፃም ከምዝሕግዝ እውን ወሲኾም ኣረዲኦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም